Monday , May 20 2024

ፖሊስ ብስሙ ንእተገብረ ናይ ምትላል ስራሕ ኣቃሊዑ።

ገለ ሰባት ፖሊስ እናተመሰሉ ብፍላይ ንሽማግለታት የታልሉ ምህላዎም ፖሊስ ሓቢሩ። ገለ ሰባት ናብ ኣባይቲ ግዳያት ብምኻድን ኣብ ናይ ባንክ ሰነዳቱ ምርምር ብምግባርን ናይ ፒን ኮድ ክህቦም ብምሕታትን ሰባት የታልሉ ምህላዎም ድማ ኣብሪሆም።

ፖሊስ ብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ፒን ኮድ ይዂን ሰነዳት ባንክ ወይ’ውን ክረዲት ሰባት ከም ዘይምርምሩ ሰባት ከስተውዕሉ ድማ ሓቢሮም ኣለዉ። ናብ 1414114 ብምድዋል ናይ ዝመጾም ሰብ መንነት ከረጋግጹን ጥርዓኖም ከቕርቡን ድማ ተላብዮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com