Friday , May 17 2024
Migrants wait in an area on Poland's border with Belarus. (AP Photo/Czarek Sokolowski) XCS151

ፖላንድ: ምስ ቤላሩስ ኣብ ዘራኽባ ዶብ: ሓጹር ትሃንጽ

ፖላንድ: ምስ ቤላሩስ ኣብ ዘራኽባ ዶብ 2.5 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሓጹር ክትሃንጽ ምዃና: ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር: ማርዩስ ብላሽዣኽ: ሓቢሩ።

ኣቐድም ኣቢላ ሊቱዌንያ እውን ምስ ቤላሩስ ኣብ ዘራኽባ ዶብ ሓጹር ከም እትሃንጽ ኣፍሊጣ ኔራ እያ። እዚ ድማ ብቤላሩስ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ንምዕጋት ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ: መብዛሕትኦም ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹ ኣሽሓት ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዶባት ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስጋሮም ዝፍለጥ እዩ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ቤላሩስ እገዳታት ብምንባሩ: ቤላሩስ ስደተኛታት ብዶባታ እናስገረት ሕነ ትፈዲ ምህላዋ ሰብመዚ ኣውሮጳ ይነቕፉ።

ሃገራት ኤስቶንያ: ሊትዌንያ: ላትቪያን ፖላንድን ብወገነን UN ስጒምቲ ክወስድ ጸዊዐን ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስተራት እዘን ኣርባዕተ ሃገራት ብሰኑይ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ “እዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ኮነ ኢልካ ብመንግስቲ ሉካሼንኮ ዝተወደበ እዩ” ክብሉ ከሲሶም ኣለዉ።

UN ን ባይቶ ጸጥታን ነዚ ሽግር መፍትሒ ከናድዩሉ ይግባእ። UNHCR እውን ስጒምቲ ብምውሳድ ንፍታሕ እዚ ጒዳይ ከሳልጥ ንጽውዕ” ክብሉ ኣብቲ መግለጺ ተላብዮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com