Friday , April 26 2024
ስእሊ/TT

ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ዝሕተት ረቛሒ ክተረር ሓሳብ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ።

ኣባል ባይቶ ሽወደን ዝኾነት ኣባል ሰልፊ ዓቃባውያን ቦርያና በርግበርግ ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ዜግነት በዛዕባ ምሃብ ዝምልከት ሓድሸ እማመ ናብ ባይቶ ኣቕሪባ’ላ።

ብመሰረት ዌብሳይት ባይቶ ሽወደን እቲ እማመ ከምኒ ምልከት ቋንቋ ሽወደን፥ ነብስኻ ምኽኣልን ካብ ትካላት መንግስቲ እተዋህበካ ዕዳ ምኽፋልን ዝብላ ረቛሒታት ኣብቲ እማመ ምርካብ ዜግነት ክጠቓለላ እየን።

“ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣብ ሽወደን ዜግነት ምርካብ እቲ ዝቐለለ ኮይኑ’ሎ። እታ ዘላ እንኮ ሕቶ ኣብ ሽወደን ሓሙሽት ዓመት ተቐሚጥካዶ እያ። ሽወደናዊት መጻምዲ እንተላትካ’ሞ እቲ ረቛሒ ካብዚ’ውን ዝውሕድ እዩ።”

ብመሰረት መንፈስ እቲ እማመ እዞም ዝትጠቕሱ ረቛሒታት በይኖም ዜግነት ሽወደን ከውህቡኻ እኹላት ኣይኮኑን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com