Friday , May 17 2024

1500 ሰባት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስዱ እዮም

በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ኖርቡትን፡ ካብ ዕለት 01 መስከረም ጀምሩ፡ ን 1500 ሰባት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ንክኸትብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዞም ሳልሳይ እብረ ክታበት ክኽተቡ ዝተባህሉ ሰባት፡ ብመሰረት ጸብጻባት ታሪኽ ሕክምናዊ ኩነታቶም ምርኩስ ብምግባር ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ ዘለዎም፡ ኣባላት ጉጅለ ተነቀፍቲ ኣካል ሕብረተሰብ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com