Saturday , May 18 2024
Erik Johansen / NTB scanpix / TT

2020 እታ ዝለዓለ ሙቐት ዘለዋ ዓመት ክትከውን ትኽእል እያ ተባሂሉ።

ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣከባቢ ኣወንታዊ ተራ ምጽዋቱን ኣየርን ኣከንባቢን ስቶክሆልም ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ምጽራዩን ኣብ መትረባት ቨኒስ ሰላማዊ ዓሳ ክረአ ምጅማሩን ይፍለጥ። እንተኾነ ግና እኩብ ናይ ግሪን ሃውስ ብድሆ ንምግጣም ናይ ነዊሕ እዋን ኣከባብያዊ ስራሕ ከም ዘድሊ ተመራመርቲ ገሊጾም። ኮሮና ኣምጺእዎ ዘሎ ኣዎንታዊ ኲነታት ኣከባቢ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ 2020 እታ ዝወዓየት ዓመት ክትከውን እያ ድማ ኢሎም። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝወዓየ ተባሂሊ ዝተመዝገበ እታ ዓመተ ኢልኒኖ ተባሂላ እትፍለጥ ዓመት 2016 እያ ኔራ።

ዓመተ 2020 እታ ዝወዓየት ምዃና 75% ርጉጽ እዩ ክብል ዘ ጋርዲያን ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዓዲእንግሊዝ ዝመደብሩ ሜት ኦፊስ 2020 ዝወዓየት ዓመት ከም እትኸውን 50% ግምቱ ኣቐሚጡ’ሎ። ኣብ ወርሓ ጥሪ ዝነበረ መጠን ሙቐት ዝወዓየ እዩ ኔሩ። ኣብ ዞባ ኣርክቲክ ዝርክባ ብርክት ዝበላ ከተማታት ካብ በረድ ናጻ ዝኾነ ኣዋርሕ ምሕላፈንን ኣብ ኣንታርክቲካ ልዕሊ 20°C ዝኸውን ሙቐት ምምዝጋቡ ድማ ተገሊጹ። ኣብ ኦክስፎርድ ተመራማሪ ኲነታት ኣየር ካርስተን ሃውስቴን ሙቐት ዓለምና ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ክመሓየሽ እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይብሉ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com