Sunday , May 19 2024
Residents of Rydsnäs in Ydre municipality are urged to boil the water.(AP Photo/Kin Cheung) XKC106

ብሰንኪ ዝተረኽበ ባክተርያ፡ ማይ ክፈልሕ ከምዘለዎ ተሓቢሩ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኢድረ (Ydre )፡ ኣብ ሪድስነስ (rydsnäs) ዝነብሩ ተቐማጦ፡ ብሰንኪ ኣብ ዝግልገልሉ ማይ ዝተራየ፡ ኮሊፎርም ዝተባህለ ዓይነት ባክተርያ፡ ነቲ ዝሰትይዎ ወይ ድማ ኣብ ምኽሻን ዝጥቀምሉ ማይ፡ ኣፍሊሖም ክጥቀምሉ ከምዝግባእ፡ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ኣጠንቂቑ ክብል ማዕክን ዜና ተተ ገሊጹ።

ህጻናት ድማ፡ ኣብ መሐንበሲ ቦታታትን መንጫዕጫዕታትን ከይዶም ከይጻወቱ እቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬትኡ ኣጠንቂቁ።

ምኽንያት ህላወ ናይዚ ባክተርያ እንታይ ምዃኑ ዝሕብር ናይ መርመራ ውጽኢት፡ ሎሚ ሓሙስ፡ ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ክወሃብ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com