Monday , May 20 2024
Credit: Joshua Worth/Sveriges Radio

250 ዓመታት ዝገበረ ሰነድ ኣዋጅ ፕረስ ሽወደን ሽልማት “ዩኔስኮ” ተዋሂቡ።

ኣብ 1766 ዝወጸ ኣዋጅ ፕረስ ሽወደን ብ ዩኔስኮ ሽልማት “ዝኽሪ ዓለምና” ተዋሂቡ። እዚ 250 ዓመታት ዝገበረ ሰነድ ኣዋጅ
ፕረስ፡ ኣብ ዓለምና ብዓይነቱ ንፈለማ እዋን ዝወጸ ሰነድ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጡ መሰል ናጻ ፕረስ ከምኡ’ውን ህዝቢ ኦፊሴላዊ
መዛግብ ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎ ዝድንግግ እዩ። እዚ ሰነድ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ መትከላት ቅዋም ሽወደን
ጥራይ ዘይኮነ፥ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ሃገራዊ መንነት ሽወደን እዩ ክብል፥ ኣብ ሃገራዊ ቤተንባብ ሽወደን ገዲም ላይብረርያን ያንስ
ክረስሊን ገሊጹ። ሽወደን ኣብ መትከል ነጻነት ፕረስ ኣብ ዓለምና መሪሕ ምዃና፥ ኣገዳሲ ክፋል ሃገራዊ ንቕሓት ሽወደናውያን
ምዃኑ ክረስሊን ኣስሚሩሉ’ሎ።
እዚ ብዩኔስኮ ዝተዋህበ ሽልማት ዘሐጒስ እኳ እንተኾነ፥ ኣብ ሽወደን ብዛዕባ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ገለ ኣሻቐልቲ ምዕባለታት
ምህላዎም ተገሊጹ’ሎ። “ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት” ዝተባህለ ትካል ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝወጽኦ ጸብጻብ፥ ሽወደን ትሕት ዝበለ ደረጃ
ምርካባ ዝፍለጥ እዩ። ምኽንያት ናይዚ ድማ፥ ጋዜጠኛታት ሽወደን ብርክት ዝበሉ ብድሆታት ይገጥሞም ብምህላዉ እዩ ክብል
ፕረሲደንት ትካል “ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት” ጨንፈር ሽወደን ዝኾነ ኤሪክ ላርሰን ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዓለምና እናንቈልቈለ ብሰንኪ
ዝመጽእ ዘሎ ስርዓተ ዴሞክራሲ፡ ጋዜጠኛታት ምፍርራህን ካልእን ይበጽሖም ምህላዉ፥ ሽወደን ኣብ ደረጃ ምደባ ነጻነት ፕረስ ካብ
180 ሃገራት ኣብ ራብዓይ ደረጃ ምህላዋ ብጽቡቕ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፥ ከምኒ “ኣዋጅ ስለያ ወጻኢ” ግና ሕጂ’ውን ንነጻነት
ፕረስ ዕንቅፋት ይኾኑ ምህላዎም፥ ላርሰን ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com