Friday , May 17 2024
(AP Photo/Rahmat Gul) XRG112

2500 ኣፍጋናውያን ናብ ጀርመን ክኣትዉ ተፈቒዱሎም

ጀርመን: 2500 ኣፍጋናውያን ምስ ስድራኦም ናብ ሃገራ ክኣትዉ ፍቓድ ምሃባ ንሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ: ሄኮ ማስ: ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

 

ብዘይካ’ዚ: ዴንማርክ ኣብ ፖለቲካዊ ፍታሕ ድሕሪ ምብጽሓ ን 45 ኣፍጋናውያን ናይ ክልተ ዓመት ፍቓድ ክትህብ ምዃና ተፈሊጡ’ሎ።

 

ኣብ ኤምባሲ ዴንማርክ ንዝያዳ ክልተ ዓመታት ክሰርሑ ዝጸንሑን ዝሰርሑ ዝነበሩን እዞም ኣፍጋናውያን: ዴንማርክ ክትሕግዞም ድሕሪ ምምልካቶም እዩ እዚ ፍታሕ ተዋሂቡ ዘሎ።

 

ኣብዚ ሓገዝ ኣንስትን ቆልዑን እዞም ሰራሕተኛታት እቱዋት ክኾኑ እዮም።

 

ጀርመን ንግዜኡ ናብ ኣፍጋኒስታን ዝግበር መስጎግቲ: ክሳብ ነሓሰ 31 ደው ኣቢላቶ’ላ። ስዊትዘርላንድ እውን ንጀርመን ስዒባ ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ኣፍጋናውያን ናብ ዓዶም ምፍናው ደው ኣቢላቶ ምህላዋ ተመልኪቱ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com