Saturday , May 18 2024

28 ምምሕዳራት ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ክቕበላ ድልየት የርእያ።

ካብ 166 ምምሕዳራት ሽወደን እተን 28 ምምሕዳራት ልዕሊ እቲ ብቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝምደበለን ብዝሒ ሓደስቲ መጻእቲ ክቕበላ ድልዋት ምህላወን ዳህሳስ መስመር ተሌቪዥን TV4 ሓብሩ። ካብቲ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝወሰነለን ብዝሒ ሓደስቲ መጻእቲ ንላዕሊ ክቕበላ ድልውነት ኣለወን’ዶ ንዝብል ዳህሳስ ን166 ምምሕዳራት ዝተኻየደ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን 10 ሓደስቲ መጻእቲ ሰዲዱልና፡ ይኹነ እምበር ካብ 50 ክሳብ 150 ሓደስቲ መጻእቲ ክንቅበል ድልዋት ኢና ክትብል ሓላፊት ሕብረት ኣብ ምምሕዳር ሽሩኮም (Krokoms)፡ ኤሊዛቤት ዊክዚል ተዛሪባ። ኣብ ዓመተ 2015 መንግስቲ ሽወደን ንዋሕዚ መጻእቲ ንምምካት ኩለን ምምሕዳራት ብግዴታ መጻእቲ ክቕበላ ከምዘለወን መምርሒ ድሕሪ ምምሕልላፉ ብዙሓት ምምሕዳራት ነዚ ናይ መንግስቲ መምርሒ ከምዝነጸገኦን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ክርክር ኣለዓዒሉ ከምዘሎ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com