Friday , May 17 2024

34 ሰባት፡ ኣብ ገማግም ጅቡቲ ጥሒሎም

ካብ ገማግም ሃገረ ጅቡቲ ብመንገዲ ባሕሪ ኣቢሎም  ናብ  ገማግም ሓውሲ ደሴት ዓረብ፡ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ጃልበኦም ብምግምጣላ፡ ብውሑዱ 34 ሰባት፡ ጥሒሎም ከምዝሞቱ በዓል መዚ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት IMO ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዞም ሰባት፡ ብመንገዲ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ኣቢሎም ናብ ገማግም ሓውሲ ደሴት ዓረብ ክኣትዉ ዝፍትኑ ዝነበሩ ምዃኖም ውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ንዘይሕጋውያን ኣስገርቲ፡ ተኸታቲልካን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእቲኻ ናብ ፍርዲ ምቕራቦም እቲ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነታት ኮይኑ ኣሎ። ዘይተኣደነ ሂወት ደቂሰባት፡ ብዘይ ጥቕሚ ይሃልቕ ኣሎ ክብል ዞባዊ ዳይሬክተር በዓል መዚ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት IMO፡ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ መሓመድ ኣብዲከር፡ ገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ 20 ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ኣብታ ጃልባ ዝተፈጥረ ጽቕጥቅጥ፡ እቶም ኣስገርቲ ናብ ባሕሪ ስለዝደርበይዎም፡ ጥሒሎም ከምዝሞቱን ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com