Saturday , May 18 2024

4.9 ቢልዮን ክሮነር፡ ንድኻታት ኣብያተ ትምህርቲ ንምሕጋዝ ክወጽእ እዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናይ 4.9 ቢልዮን ክሮነር፡ ንድኻታት ኣብያተ ትምህርቲ ንምሕጋዝን ብቕዓት ትምህርቲ ክብ ብምባል ብእኡ ኣቢልካ እውን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ብቕዓትን ኲነታትን ትምህርቲ ንምምሕያሽ ብዝብል ዕላማ ከወጽእ ምዃኑ ትገሊጹ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና ኤክስትሮም ብዛዕባ ባጀት 2020 ኣብ ዝሃበቶ ቃል ኲነታት ከምቲ ዝሓሰብዎ ይኸዱ ምህላዎምን ብዙሕ ዝሰራሕ ከም ዝተርፍን ጠቒሳ ኣላ። ኣብ መንጐ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ኣዝዩ ገፊሕ ጋግ ምህላዉን ዛጊት ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ክሳብ 4.9 ቢልዮን ክሮነር ዝበጽሕ ባጀት ተመዲቡ ምህላዉ ድማ ተሓቢሩ። ብመሰረት እታ ሚኒስተር ባጀት 2021 ናብ 6.2 ቢልዮን ክዓቢ እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር ብተወሳኺ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com