Wednesday , May 1 2024

ጥቅሚ ማይ ምስታይ ኢንታይ ኢዩ

ማይ ምስታይ ንኣካላትና ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚ ሓደ እኹል ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 1.5 ክሳብ 2 ሊትሮ ዝኸውን ፈሳሲ ክሰቲ ኣለዎ። ማይ ምስታይ፡ ከምኡ’ውን ሻሂን ቡንን ብዘይ ሽኮር እንዳቀያየርና እንተሰተና ንጥዕናና ጽቡቕ ኢዩ። እዞም ፈሰስቲ ኣብቲ ሓሙሽተ ዝተዛነቑ መግብታት እተርኢ ዓንኬል ውን ክንረኽቦ ይከኣል ኢዩ። ውሽጢ ኣካላትና እኹል ዝኾነ ፈሳሲ ምእንታን ክንረክብ እኹል ምስታይ ኣገዳሲ ኢዩ። ፈሳሲ ኣገዳሲ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ካብ ኣካላትና ክወጽእ ይኽእል ኢዩ፡ ንኣብነት ብምስትንፋስ፡ ረሃጽን ናብ ዓይኒ-ምድሪ ብምኻድን።

ምዝናቕ ፈሳሲ ኣብ ኣካላትና
ኣብ ኣካላትና ምዕሩይ ወይ ዝተዛነቐ ፈሳሲ ክህልወና እኹል ዝኾነ ፈሳሲ ክንሰቲ ኣለና። ነዚ ፈሳሲ ከኣ ኣካላትና ከምቲ ዝድለ ክዝርጋሕን ክምዕረን ተራ ይጻወት። ካብ እንምገቦ መግቢ’ውን ፈሳሲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ብብዝሒ ፈሳሲ ኣብ እነጥፍኣሉ እዋን ጽምኢ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ብብዝሒ ፈሳሲ ንወስድ። ከምኡ’ውን ውሑድ ዝኾነ ሽንቲ ካብ ኣካላትና ይወጽእ።


ፈሰስቲ ኣብቲ ሓሙሽተ ዝተዛነቑ መግብታት እተርኢ ዓንኬል
ማይ ምስታይ ጽቡቕ ኢዩ። ግን ካልእ ፈሰስቲ ብምስታይ ተወሳኺ ፈሳሲ ናብ ኣካላትና ክንሰቲ ኣለና። ቡን፡ ሻሂን ካልእ ውጽኢት ጸባን ምስታይ ኣገደሲ ኢዩ።
እዞም ዝስዕቡ ፈሰስቲ ኣብ ሓሙሽተ ዝተዛነቑ መግብታት እተርኢ ዓንኬል ንረኽቦም
• ማይ። ኣብዚ ማይ ቡንባ፡ ወሓዚ ማይን ማዕድናዊ ማይን የጠቓልል
• ቀይሕን ቀጠልያን ሻሂ
• ቀመም ዘለዎ ሻሂ (ብመጠኑ)
• ቡን (ብመጠኑ)
• ጻባ (ምስ ፈሰስቲ ኢዩ ዝሕሰብ፡ ኣብዚ’ውን ውጽኢት ጸባ፡ ዓሳ፡ጥረ-ምረ፡ እንቋቕሖ ናይ ዘይቲ ጥረታትን ስጋን)


ማይ ብዘይምስታይና እንታይ ጎናዊ ሳዕቤናት ይጅምሩ
ብዘይ ማይ ኣብ ውሽጢ 3-5 መዓልቲ ክትመውት ትኽእል ኢኻ። ማይ ክንነብር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ማይ ኣብ ኣካላትና ዝተፈላለዩ ጥቕምታት ኣለዎ ንኣብነት፡ መግቢ ተመጽዩ ናብ ደምና ንኽኣቱ ይሕግዘና፡ ረሳሕ ነገራት ካብ ኣካላትና ናብ ደገ ከምዝወጽእ ይሕግዝ፡ ከምኡ’ውን ምቖት ናይ ኣካላትና ይቆጻጸር።
ማይ ምስታይ ደው ምስነብሎ ጽምኢ ክስምዓና ይኽእል’ዩ። ድሕሪ ግዜ ርእስኻ ይፎክስን ብግቡእ ክትሓስብ ከኣ ኣይከኣልን ኢዩ። ሓንጎልና ከኣ ይጭበጥ፡ ወይ ይንእስ። ድሕሪ 2 መዓልቲ ቃንዛ ናይ ጭዋዳታት ክሕዘና ይኽእል፡ ከምኡ’ውን ኣእምሮና ክንስሕት ንኽእል እዚ ከኣ ሃለዋት ምስሓት ይበሃል። ድሕሪ 3 ክሳብ 5 መዓልቲ ከኣ ፡ ኣካላትና ሓደ ብሓደ እንዳደኸማ ክሳብ ሞት ከብጽሓና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ከባቢ 2,5 ሊትሮ ፈሳሲ ብሽንቲ፡ ብቀልቀል፣ ብምስትንፋስን ከምኡ’ውን ርሃጽ። ካብ መግቢ ከባቢ 1 ሊትሮ ዝኸውን ፈሳሲ ኣብ መዓልቲ ክንረኽቦ ንኽእል፡ እዚ’ግን እኹል ኣይኮነን። ስለዚ ተወሳኺ 1,5 ክሳብ 2 ሊትሮ ፈሰስቲ ክንሰቲ ኣለና እዚ ከኣ ብመልክዕ ማይ፡ቡንን ሻሂን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።
ስለዚ ሓደ እኹል ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 1,5 ክሳብ 2 ሊትሮ ፈሳሲ ብከም ማይ፣ ቡን ወይ ውን ሻሂ ብዘይ ሽኮር ክወስድ ንመክር።

ምንጪ፥Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com