Friday , April 26 2024

ጋዜጠኛታት ኣገልግሎት ሜትሮ ካብ ስርሖም ደው ይብሉ!!

ኣብ ብሕታዊት ጋዜጣ ሽወደን ሜትሮ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኩሎምጋዜጠኛታት  ብምልኦም ካብ ስርሖም ደው ከምዝበሉ  ሓላፊ እዚ ክፍሊ ክርስቲነ ኣገር ሃንሰን ን ጋዜጣ ኤክስፕረስ ሓቢሩ።

ሃንሰን ብምውሳኽ ብስንኪ ሕጽረት ፋይናንስ  ኩሎም ጋዜጠኛታት ኣብ ሰራሕ ከምዝየለዉን ጋዜጣ ሜትሮ እውን ስሩዕ ኣገልጉሎታ ትህብ ከምዘየላን ህልው ዕዳና ድማ ኣስታት 60 ሚልዮን ክሮነር ብምብጽሑ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክኸፍሉ ከምዘይክኣሉ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋንዚ ቀዳመ ሰንበት ገዲፍካ  መዓልታዊ ሕታም ጋዜጣ ሜትሮ ደው ከምዝበለን ኣብ ክንድኡ ብ ሰሙናዊት ብመልክዕ መጋዜን ትሕተም ሜትሮ ክትህሉ ሙካና ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com