Sunday , May 19 2024
Fredrik Sandberg / TT kod 10080

6% ካብ ኣባላት ሆስትፒታል ካሮለኒስካ ብኮሮና ከምዝተለኽፉ ተሓቢሩ።

ዝኾነ ዓይነት ምልክታት ሕማም ዘየርኣዩ 6% ካብ ኣባላት ሓለዋ ጥዕና ሆስፒታል ካሮለኒስካ ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡ ሓዲሽ መጽናዕቲ ከም ዝሓበረ P4 Stockholm ኣፍሊጡ። ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ኮይኖም ዝኾነ ምልክታት ሕማም ዘይብሎም ኣባላት ኣለውና። እዚ ድማ ዘይተጸበናዮን ዘደንጹ ውጽኢትን ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ካሮለኒስካ መምህር ስነ-ለበዳ ዝኾነ ዪዋኪም ዲንልነር ገሊጹ። ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ሓቀኛ ዝርጋሐ ለበዳ ቫይረስ ንምፍላጥ ዘኽእል ኣገባባት ንኸተኣታቱን ቀዳማይ ኣተክሮኡ ድማ ነቶም ኣብ ሓለዋ ጥዕናን እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ኣባላት ገይሩ ናይ መርመራ ቀዳምነት ንኽህብን ካብ መንግስቲ ስልጣን ተዋሂብዎ ከምዝነበረ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com