Sunday , May 19 2024

97% ካብ ህጻናት ሽወደን፡ ሓያል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘጥረዩ እዮም

መደባት ክታበት ቆልዑ ኣብ ሽወደን፡ ብስሩዕ ኣገባብን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምህላዉን ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደንን ኤጀንሲ ሕክምናዊ ፍርያትን ዝቐረቡ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቲ ካብ ዓመተ 2014 ጀሚሩ ዓመታዊ ዝቐርብ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣስታት 97% ካብቶም ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝኾኑ ቆልዑ ሽወደን፡ ኣንጻር ሓደገኛ ሕማማት፡ ሓያል ዝኾነ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣጥርዮም።

ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2019፡ ኣስታት 86% ካብተን 13 ዓመት ዕድመ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ እንተወሓደ፡ ሓደ ግዜ፡ ክታበት ጸረ ሕበጥ ማህጸን፡ ወሲደን ምህላወን ኣብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ ሓላፊ ኣሃዱ ክታበት ዝኾነ ሶሪን ኣንደርሰን ገሊጹ።

ኣብ ዓመተ 2019 ኣብ መላእ ሽወደን፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ቴታኖስ ይኹን ናይ ንፍዮ ምልክታት ከምዘይተራእየ እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com