Saturday , May 18 2024

ቸልሲን ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተፈተናሉ 3ይ ሰሙን ግጥማት ፕሪመር ሊግ

ሳልሳይ ሰሙን ግጥም ፕሪመር ሊግ ኢንግሊዝ ብ ኣርባዕተ ግጥማት ኣብ ዝቐጸለሉ ድርማቲካዊ ዓወት ማንቸስተር ይናይትድ ከምእውን ማዕረ ቸልሲ ብ ሎሚ ዓመት ዝሓለፈት ዌስት ብሮም ዝተፈተነትሉ ኮይኑ ሓሊፉ።

  • ኣቀዲማ ግጥማታ ዘካየደት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ መክፈቲ ጸወታ ብ ክርስታል ፓላስ ነጥቢ ብምጥፍኣ፣ ሓይላ ክትቀርብ ትጽቢት ቡዙሓት እካ እንተነበረ ክለብ ብራይተን ቀላል ብዘይምንባራ ኣብ ቀዳሞት 20 ደቓይቅ ብ ክልተ ዓንዲ ልዳት ዝተመልሳ ወስኽካ ብከበድቲ ቅላዓት ንሓልዊ ልዳት ደቪድ ድሃያ ከተናውጾ ተራእያ፣ ከምውጺኢቱ ድማ ቅላዕ መቅጻዕቲ ረኺባ ብመንገዲ ሞባይ ሽቶ ብምምዝጋብ ክትመርሖ እካ እንተጀመረት፣ ድሒራ ብ ተኸላኻላይ ዱንክ ናብ ገዛእ ልዳቱ ብምምዝጋቡ ንዕረፍቲ 1 ብ 1 ኣመርሔን። ድሕሪ ዕረፍቲ ማንቸስተር ኣቀዲማ ብመንገዲ ራሽፎርድ ሸቶ ረኺባ ክትመርሖ እካ እንተጀመረት ተጻወቲ ብራይተን ግን ቀለልቲ ብዘይምንባሮም ኣብ ውዱእ ግዜ ማዕረ ትገብሮ ሸቶ ብምንገዲ ማርሽ ኣመዝጊቡ፣ ጸወታ ተዛዚሙ እንዳተባህለ ግን ጸወታ ኩዑሶ እግሪ ብ ዕድል ዝተሰነየ ከሙኻኑ ከምስል ኣብ ውድእ ግዜ ዩናይድት ቅላዕ መቕጻዕቲ ብምርካባ እቲ ኣብ ምምዝጋብ ወሓለ ስጋብ ሕጂ ድማ 100% ዝተዋህቦ ሓላፍነት ዝዓመመ ብርኖ ፈረናንደስ ሓላፍነት ወሲዱ ብምምዝጋብ ንጋንቱኡ 3ተ ነጥቢ ሓፊሳ ክትወጽእ ኣኻኣላ።
  • ቀጺለን ናብ ጸወታ ዘካየዳ ቸልስን ዌስት ብሮን ኮይነን፣ ኣብዚ  ክለብ ቸልሲ እቶም መላይን ሂባ ዝዓደገቶ ዘይኮኑስ እቶም ካብ መመልመሊ እዛ ክለብ ዝወጹ እዩም መድሕን ክኾንዋ ተራእዮም። ክለብ ዌስትብሮ ከም ሓዳሽ መጻኢት ዘይኮነትስ በዳሂት ኮይና እያ ቀሪባ ከምውጺኢቱ ድማ ንዕረፍቲ ብ መንገዲ ሮቢንሶን ክለተ ሸቶታት ከምእውን ኣብ መበል 27 ደቒቕ ባርትለይ ብዘመዝገባ ብ 3 ሸቶታት እያ መሪሓ ወጽያ። ድሕሪ ዕረፍቲ ቸልሳውያ ደቂሶም ዝነብሩ ክመስሉ ብ ኣብ 55 ደቒቕ ማውን ብዘመዝገባ ሽቶ ዝተበራበሩ ክመስሉ መጥቃዕትታት ብምሕያል ብ ሆዲሶን ኣብ 70 ከምእውን ብ መንገዲ ቶም ኣብርሃም ኣብ ውዱእ ግዜ ሸቶታት ብምርካብ ብድራማቲካዊ ጸወታ ክለቦም ነጥቢ ክትማቀል ኪኢላ።
  • ኣብ ካልእ ግጥማት ብ ኣሰልጣኒ ካርሎስ ኣቸሎቲ ዳግማይ ተሓዲሳ ቀርባ ዘሎ ኤቨርተን ን ክርስታል ፓላስ 2 ብ 1 ብምስዓር ካብ ዘካየደቶ ሰልስተ ግጥማት ሙሉእ 9 ነጥቢ ብምሕፋስ ኣብ ምግስጋስ ትርከብ። ሳውዝሃምብተን ብወገና ናብ ባርንለይ ገይሻ 1 ብ 0 ብምስዓር ስለስጠ ነጥቢ ሓፊሳ ተመሊሳ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com