Sunday , May 19 2024

BBC፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ መርተዖታት ረኺቡ

ኣብ ትግራይ፡ ከባቢ ማሕበረ ዴጎ ዝተባህለት ዓዲ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ጃምላዊ መቕተልቲ ሲቪላውያን ከም እተኻየደ ቢቢሲ ብመርትዖታት ምርግጋጹ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብስም ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝጸውዖ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ነቲ ኣብ ትግራት ኣብ መሪሕነት ዝነበረ ህወሓት ካብ ስልጣን ምእላዩን ክሳብ ሕጂ ድማ ኲናት ይካየድ ምህላዉን ጸብጻባት የመልክቱ።

ህወሓት፡ ነቲ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንምድልዳል፡ ብኣብይ፡ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ብምቅዋም፡ ዝተናውሐ ቃልሲ ንምክያድ ቈሪጹ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ። ብሰንኪ እዚ ግርጭት፡ ክልተ ሚልዮን ሰቪላውያን ተጋሩ ካብ መነባብረኦም ከምዝተፈናቐሉን ኣርባዕተ ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ረድኤት ከምዝኾኑን፡ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይገልጽ።

ቢቢሲ ኣይ፡ ዝተባህለ ጒጅለ መርመራ፡ ምስ ተንተንቲ ማዕከናት ዜና ቤሊንግካትን ኒውሲን ብምዃን እቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት፡ ኣበይ ከም እተፈጸመ ብልክዕ ክረኽብዎ ክኢሎም ኣለዉ። እቶም ፈለማ ነቲ ዘስካሕክሕ ቕትለት፡ ናብ ማዕከናት ዜና ዝለጠፉ ሰባት፡ እዚ ዝተፈጸመሉ ቦታ ማሕበረ ዴጎ ምዃኑ ገሊጾም እዮም። ኣፍሪካ ኣይ፡ ንዝተፈላለየ ገጻት ምድሪ እንተላይ ናይ ሓመድ ጽርግያን ጠሬራትን ብምምርማርን ምስ ስእሊታት ሳተላይት ብምትሕብባርን እቲ ቦት ብልክዕ ኣብ ከባቢ ማሕበረ ዴጎ ከም እትፈጽመ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ጽላሎት እቶም ኣብዚ እተሳተፉ ወተሃደራት ብምጽናዕ ድማ እቲ ቅትለት እተፈጸመሉ ሰዓት እውን ክግምቱ ክኢሎም ኣለዉ።

ብተወሳኺ ቢቢሲ ምስ ተቐማጦ ማሕበረ ዴጎ፡ ከም እተዘራረበትን ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ናብታ ዓዲ ብምእታዉ 73 ሰብኡት ከም ዝወሰዱ ተፈሊጡ። ሓደ ካብዞም መሰኻኽር ሰለስተ ኣዝማዱ ሽዑ መዓልቲ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ተወስዱ፡ ክሳብ ሎሚ፡ ደሃዮም ከም ዘይብሉ ገሊጹ’ሎ። ሓደ ካልእ ተቐማጣይ ማሕበረ ዴጎ፡ ሓዉ ምስቶም ግዳያት ምንባሩ ብምጥቃስ እቲ ቅትለት እተፈጸመሉ ወርሒ ጥሪ 2021 እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ። “ረሺኖም ሬሳኦም ናብቲ ገደል ኣጽዲፎሞ” ክብል ድማ ምስክርነቱ ገሊጹ።

ንዝያዳ መወከሲ ድማ እዚ መላግቦ ተወከሱ። Evidence suggests Ethiopian military carried out massacre in Tigray – BBC News


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com