Saturday , May 18 2024

G20፡ ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ዝርርብ ጀሚረን

ሎሚ ረቡዕ፡ ሚኒስተራት ፋይናንስ ኣማሓዳሪ ማእከላይ ባንክን ብመንገዲ ናይ ቪድዮ ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባ፡ ድኻታት ሃገራት ዓለማና ንምሕጋዝ፡ እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይ G20 ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ንድሕሪ ለበዳ ኮሮና ዘሎ እዋን፡ ቁጠባዊ ምዕባለታት ኣመልኪቱ፡ ገምጋማቱ ከምዘቕረበ ይፍለጥ። ቁጠባዊ ዕብየት፡ ብደረጃ ዓለም ክሳብ 6% ክበጽሕ ከምዝኽእል እኳ እንተገምገመ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ክኸውን ከምዘይክእል ኣዘኻኺሩ ኣሎ።

ዘይምዕቡላት ሃገራት፡ ብድሒሪት ንኸይተርፋ ስግኣት ክህሉ ስለዝኽእል፡ ሃገራት G20 ነዚ ስግኣት ኣብ ምግታእ ተረአን ክጻወታ ወሲነን ኣለዋ። እዚ ድማ፡ ብመንገዲ ዕዳታት ምስራዝን ምንዋሕ ግዜ ክፍሊት ዕዳታት ናይተን ድኻታት ሃገራት ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com