Friday , May 17 2024

H&M፡ ዝኣረገ ክዳውንቲ ናብ ሓድሽ ክዳውንቲ ዝልውጥ ሓድሽ ኣገባብ ምሂዙ

ኣብ ድሮትኒንጋታን (Drottninggatan) ስቶክሆሎም ዝርከብ ቤት መሸጣ ክዳውንቲ H & M፡ ካብ ሎሚ ዕለት 13/10/2020 ጀሚሩ፡ ዝኣረጉ ክዳውንቲ ከም እንደገና ኣብ ጥቕሚ ከምዝውዕሉ ዝገብር ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ገሊጹ።

ዝኣረጉ ክዳውንቲ ምስ ተቐበለ፡ ሓጺቡ፡ ብሕብሮምን ዓይነቶምን ፈልዩ ድሕሪ ምጥሓኑ፡ ፈቲጉ፡ ናብ ፈትሊ ብምቕያር ዝኾነ ዓይነት ቀመማት ከይሓወሰ ከምእንደገና ክዳን ክሰርሖም ይኽእል። መጠን ብዝሒ ናይቶም ዝተቐበሎም ክዳውንቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከም ሻል፡ ናይ ህጻናት ኮቦርታን መሸፈኒታትን ዝኣመሰሉ ፍርያት ክቕይሮም ከምዝኽእል ድማ ሓቢሩ።

እዚ መስርሕ፡ ክሳብ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወስድ ኮይኑ፡ ዋግኡ ድማ ክሳብ 150 ክሮን ይበጽሕ። ነቶም ኣባልነት ዘለዎም ሰባት ድማ እቲ ዋጋ 100 ክሮን ይኸውን። ገለ ክፋል ናይቲ ኣታዊ፡ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም ክዳውንቲ ንምምሃዝ ኣብ ዝካየድ መጽናዕታዊ ምርምር ዝስላዕ ክኸውን እዩ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com