Saturday , May 18 2024

MSB: “ሰብመዚ ሽወደን መጥቃዕቲ ሳይበር ንምብዳህ ዝሓሸ ምድላው ክገብሩ ኣለዎም”

Credit: Andreas Hillergren/TT

ሰብመዚ ሽወደን ንዝተፈላለዩ ዓይነታት መጥቃዕቲ ሳይበር ንምግጣም ኣዝዩ ዝሓሸ ምድላው ክህልዎም ኣለዎ ክብል ብኤምኤስቢ ዝፍለጥ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ሓደጋታት ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻቡ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ሚያዝያ 2019ን መስከረም 2023ን ኤምኤስቢ ካብ መንግስታዊ ጽላት 1,542 ጥርዓናት ሓደጋታት ሳይበር ከም ዝበጽሖ ገሊጹ’ሎ። ካብዚኦም እቶም 250 ፈተነ መጥቃዕቲ ሳይበር ዝምልከቱ ኮይኖም፡ 87% ካብ መንግስታዊ ትካላት፡ 13% ድማ ካብ ወሃብቲ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ዝመጹ እዮም። ብውሕዱ ገለ ቀለልቲ መጥቃዕትታት ክብድሁ ክኽእሉ ኣለዎም ይብል ኣብቲ ትካል ነባር ክኢላ ቴክኖሎጅያዊ ሓበሬታ ማቲያስ ኣንቶንሰን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com