Friday , May 17 2024
Migrants picked up in the English Channel are taken in at Dover in England. Picture from Last Friday (AP Photo/Matt Dunham) LMD107

New record: Over 1,000 tried to cross the Channel

ልዕሊ 1000 ብ English Channel ኣቢሎም ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ይፍትኑ።

ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት ልዕሊ 1000 ሰባት ብ English Channel ኣቢሎም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንብሪጣንያ ክኣትዉ ምፍታኖም ተገሊጹ።

ሰብመዚ ብሪጣንያ 828 ካብዚኣቶም ከም ዘድሓኑ ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ስደተኛታት ኣብ ናእሽቱ ጀላቡ ተሳፊሮም ብሓደገኛ ጒዕዞ ክሰግሩ ምፍታኖም ቢቢሲን ካልኦት መራኸቢ ብዙሃንን ብሪጣንያ ኣቃሊዐን። ብዘይካዚ 193 ሰባት ዝጸዓና 10 ጀላቡ ብ ሰብመዚ ፈረንሳ ከም እተታሕዛ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድዚ ቊጽሪ ዘይሕጋውያን ተሳገርቲ ክርከብ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 12500 ሰባት በዚ ኣገባብ ክሰግሩ ከም ዝፈተኑ ኣመልኪቱ።

ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣስገርቲ ንዝገብርዎ ምግዕዓዝ ስደተኛታትን ንምክልኻል ሓባራዊ ሓለዋ ዶባት ከትርራ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ስደተኛታት ክሳብ ኣርባዕት ዓመታት ክእሰሩ ዝብል– እማመ ዜግነትን ዶባትን–ዝተሰምየ ኣዋጅ ኣብ ከተማ ላንደን ይዝተየሉ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

እዚ ኣገባብ ነቶም ተስፋ ዝቖረጹ ስደተኛታት ከም ዘይዓግት ዝገለጻ ትካላት ረድኤት እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ብውሑስ መንገዲ ዕቚባ ዝረኽብሉ ኣገባብ ምጥጣሕ እዩ ኢለን።

Small boats, big sea. Picture of migrant boats taken on July 29 this year near Lampedusa
(AP Photo/Santi Palacios) 

 

ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ዝሓለፋ 24 ሰዓታት 500 ስደተኛታት ናብታ ንእሽቶ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፔዱሳ ከም ዝኣተዉ ሰብመዚ እታ ደሴት ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ማልታን ኣህጒር ኣፍሪቃን እትርከብ ደሴት ላምፔዱሳ ብትራፊክ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ዓብዪ ጸቕጢ ከም እትርከብ እዩ ዝግለጽ። ዓቕማ 250 ስደተኛታት ምቕባል እኳ እንተኾነ ክሳብ 865 ስደተኛታት ምህላዎም ድማ ተመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com