Friday , May 17 2024
In this photo taken Sunday, Jan. 6, 2019, government and opposition soldiers pose for a picture in the government barracks in Kajo Keji town, where 10 opposition soldiers were staying with the government troops in a makeshift soldier swap, in Kajo Keji county, South Sudan. Since a fragile peace deal was signed in Sept. 2018, South Sudan's previously warring parties have been working to rebuild trust in some of the areas hardest hit by the war. (AP Photo/Sam Mednick)

UN: ንቕትለት ደቡብ ሱዳናዊ ዶክተር: ኮኒኑ

UN: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ቅትለት ሓደ ሱዳናዊ ዶክተር ከም ዝኾነኖ ተገሊጹ። እዚ ምስ ሓደ ዘይመኽሰባዊ ትካል ዝሰርሕ ዝነበረ ዶክተር: ኣብታ ብዕደና ነዳዲ ዝበልጸገት: ዞባ ዩኒቲ: እዩ ተቐቲሉ። ንሱ ኣብ መደበር ጥዕና ጋኚሌል ፓያም: ምስ ኣህጒራዊ ኮሚተ መድሕን እዩ ዝሰርሕ ኔሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ: መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት: ኣብ ወሰናስን ገጠር ጒኦል: ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛትት ኣህጒራዊ ቀይሕ መስቀል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ምንባሮም ድማ ተፈሊጡ። 10 ሰራሕተኛታት እቲ ቃፍላይ ካብቲ ሓደጋ ኣምሊጦም ኣለዉ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን: ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት እቲ ትካል: ኣሌን ናውድሁ: “በዚ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሰብኣውንት: ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ: ኣዝየ እየ ሓዚነ፥ እዚ ዶክተር: ኣዝዩ ውፉይ ሰራሕተኛ እዩ ኔሩ፥ እዚ ፍጹም ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝገብር መጥቃዕቲ: ግህሰት ኣህጒራዊ ሕጊ: ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ: ሓንቲ ኡጋንዳዊት ሰራሕተኛ ረድኤት: ኣብ ኣውራጃ ቡዲ: ምብራቕ ኤኳቶርያ: ከም እተቐትለት ዝዝከር እዩ።

ካብ 2013 ንደሓር: ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝሰርሑ ናይ ረድኤት ትካላት: ዛጊት 126 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com