Sunday , May 19 2024
Jonas Ekströmer/TT

ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ሽወደን ብውሕስነቱ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ትራፊክ ከም ዘለዋ ተገሊጹ።

ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ካብ ኩለን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እቲ ዝተሓተ መጠን ሞት ብሓደጋ ትራፊክ ዝረኣየላ ሃገር እያ።

ኣብ ሩማንያን ቡልጋርያን መጠን ሓደጋ ትራፊክ ብ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የመልክት።

ጎደናታት ኣውሮጳ ብውሕስነቶም ኣብ ዓለም ዝዳረጎም የብሎምን ብመሰረት ጸብጻብ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን።

ይኹንምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ መላእ ኣውሮጳ 25300 ሰባት ብሓደጋ ትራፊክ ምሟቶም ተመዝጊቡ’ሎ።

እዚ ማለት መጠን ሞት ሰባት ብሓደጋ ትራፊክ ካብ ሚልዮን 49 ሰባት ማለት እዩ። እዚ ምስ ዓለምለኻዊ ስታቲስቲክስ እንክረአ ኣዝዩ ትሑት እዩ።

ብዓለም ደረጃ ዓመታዊ 1.3 ሚልዮን ሰባት ብሓደጋ ትራፊክ ይሞቱ። እዚ ማለት ብገምጋም ካብ ሓደ ሚልዮን ሰባት 174 ምዃኑ’ዩ።

ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝበዝሐ ሓደጋ ትራፊክ ዝረኣየለን ሃገራት ሩማንያን ቡልጋርያን እየን።

ዝወሓደ ዘመዝገበት ከኣ ሽወደን እያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መካይን ዝያዳ ውሑሳት ኮይነን ኣብ ጎደና ክንቀሳቐሳ ምስ ብዙሕ ርእሶም ዝጐዓዙ ሰባት ከኣ መቐነት ከዘውትሩ ብዙሕ እዩ ተሰሪሕሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com