Thursday , May 16 2024
(AP Photo/Iya Forbes) LRC810

ሃብታማት ሰባት፡ ከም ስሱዓት እዮም ዝቑጸሩ ተባሂሉ

ሃብታማት ዝኾኑ ሰባት፡ ካብቶም ድኻታት ዝሰዑ ስለዝኾኑ ድዮም ኣብ ናብርኦም ዝሃብተሙ ኾይኖም? እዚ ክለሰ-ሓሳባዊ ሕቶ ንልዕሊ 60 ዝኾና ሃገራት ብመጽናዕቲ ተደጊፉ ክቐርብ ተገይሩ – እቲ መልሲ ድማ ብዓብላሊ ድምጺ ‘እወ’ ዝብል ኮይኑ ተረኺቡ።

ካብቶም 26,000 ዝኾኑ ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ እቶም 52% ምስ’ዚ መልሲ ከምዝሳማማዑ ኣፍሊጦም። እቲ ዝሓየለ መርኣያ ናይዚ ክለሰ-ሓሳብ ዝተራእየሉ ቦታታት ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ፣ ደቡብ ኤውሮጳ፣ ኣፍሪቃን ገለ ገለ ቦታታት ናይ ኤስያ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። ነዚ ክለሰ-ሓሳብ ዝደኸመ ድጋፍ ዝተረኣየለን ሃገራት ድማ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ሰሜን ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ምዃነን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብዚ ክለሰ-ሓሳብ ዘሎ እምነት ዓዚዙ ዝተረእየሎም ቦታታት ናይ ግዕዝይናን ድኹም ህንጸት ናይ ትካላትን ኣብ ዘለወለን ሃገራት ዝዓበየ ኮይኑ፡ ልዕል ዝበለ ኣታዊ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ሕብረተሰባት ድማ እቲ እምነት እንዳተሓተ እዩ መጽዩ” ክትብል ኢንግቪልድ ኣልሞስ ኣብ ስቶክሆልም ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ትካል ዓለምለኻዊ ቁጠባ ፕሮፌሰር ዝኾነት ኣብሪሃ። መብዛሕትኦም ኣብ ህንዲን ፓኪስታንን ዘለዉ ሕብረተሰባት ነዚ ክለሰ-ሓሳብ ክቕበልዎ ከለዉ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ካናዳን ዝነብሩ ግና ዝነኣሰ መጠን ናይ ተቐባልነት ከምዝተራእየ ተፈሊጡ’ሎ።

ሃብቲ ናይቶም ሃብታማት ሰባት ናይ ምሒር ኣነነት (egoism) ውጽኢት ከምዝኾነ፣ ዘይማዕርነት ዘይርትዓዊ ምዃኑ፣ ንዳግመ ምክፍፋል ናይ ኣታዊ ሓያል ድጋፍ ከምዘሎ፣ እዞም ኣመለኻኽታታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓቢ ዝኾነ ናይ ፍልልያት ነጥቢታት ምዃኖም፣ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ዘይምቅዳው ምኽንያት ከምዝኾኑን እዚ ድማ ንጉድኣት ናይ ቁጠባዊ ምዕባለ ምኽንያት ከምዝኾኑን እያ ኣልሞስ ተብርህ።

ኢንግቪልድ ኣልሞስ፡ እዚ ክትብል ከላ፡ ኣብ ጎኒ ምስቶም ናይ መጽናዕቶም ውጽኢት ኣብቲ PNAS ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ኣሜሪካ ሳይንሳዊ ጆርናል (American scientific journal) ወጽዩ ዘሎ መካየድቲ ናይዚ መጽናዕቲ ዝኾኑ ተመራመርቲ ናይ ኖርወይ ቤት ትምህርቲ ቁጠባ ደው ኢላ ከምዝኾነት ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com