Friday , May 17 2024

ሃገረ ማላዊ፡ ግዜኡ ኣሕሊፉ ንዝበለቶ 16 ሽሕ ክታበት ኮቪድ-19 ትጉሕፍ

መንግስቲ ማላዊ፡ ግዜኦም ዘሕለፉ 16 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19፡ ክጉሕፍ ወሲኑ ክብል ቢቢሲ ንሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እዞም ብልቃጥ ክታበታት፡ ኣካል ናይቲ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ዝተላእከ 102 ሽሕ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 እዩ ኔሩ።

ንመብዛሕትኡ ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተላእከልና ብልቃጥ ክታበት፡ ተጠቒምናሉ ኢና። ክሳብ ትማሊ ሰሉስ፡ ክንጥቀመሉ ድሕሪ ምጽናሕና ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ዕለቱ ስለዝኣኸለ፡ 16400 ዝኸውን ብልቃጥ ክታበት ግን ንኽንግሕፎ ተገዲዲና ኣለና ክብል ሚኒስተር ጥዕና ማላዊ፡ ቻርለስ ምዋንሳምቦ፡ ንኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ሓቢሩ።

ኣብ ማላዊ፡ ዛጊት 300 ሽሕ ዜጋታት ጸረ ኮቪድ ተኸቲቦም ኣለዉ ክብል እቲ ሚኒስተሪ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com