Friday , May 17 2024

ሃገረ ሽወደን፡ ውጥን ክታበት ተናውሕ

ሃገረ ሽወደን፡ ንኹሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ መንእሰያት፡ ኣብ ዕለት 15 ነሓሰ፡ ብውሑዱ ቀዳማይ እብረ ክታበት ንክኽተቡ ውጥን ኣውጺኣ ምንባራ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ሎሚ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ውጥን ንተወሳኺ ግዜ፡ ክሳብ ዕለት 5 መስከረም፡ ከምዝተናወሐ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንኽታበት ተመዲቦም ዝነበሩ ከም በዓል ጆንሶንን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ክታበት፡ ካብ ጥቕሚ ደው ከምዝብሉ ስለዝገበረ፡ ነቲ መስርሕ ክታበት ከደናጉዮ ክኢሉ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ለና ሃለንግሪን፡ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com