Saturday , May 18 2024
(Ukrainian Presidential Press Office via AP) XSG101

ሃገራት ምዕራብ ን ዩክሬይን ዝህባኦ ደገፍ ከዕዝዛ ፊንላንድ ጸዊዓ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ን ዩክሬይን ዝገብራኦ ሓገዝ ከዕዝዛ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበራኦ እገዳ ከስፍሓ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማርን ጸዊዓ። “እዚ ኲናት ምስ ምቕጻሉ፡ ውህሉል ሃብቲ እታ ሃገር ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ። ስለዚ ድማ እቲ ኲናት ክሳብ ዝቐጸለ፡ ንሕና’ውን ዘድሊ ሓገዝ ናብ ዩክሬይን ምሃብ ክንቅጽል ከድልየና እዩ። ድሕሪዚ ኲናት እውን፡ ኣብ ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር ክንሳተፍን ክንሕግዝን ሓላፍነት ኣሎና” ክትብል ማርን ምስ ኣብ ኪቭ ዝመደብሩ YLE ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ ትማል ሓሙስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ
መሕትት ኣመልኪታ። “ፊንላንድ ኣብዚ ጒዳይ ግቡኣ ክትጻወት ድልውቲ እያ” ዝበለት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብዚ ቅልውላው፡ ቆራጽነትን ሓድነትን ከርኢ ከም ዝግባእ ውሲኻ ኣተሓሳሲባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com