Thursday , May 16 2024

ሃገር ዘይብሎም ሓተትቲ ዕቚባ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ገሊጹ!!

ሃገር ዘይብሎም ሓተትቲ ዕቚባ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ገሊጹ። መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት እተናውሐ ኣዋጅ ግዜያዊ መንበሪ ዝምልከት ለውጢታትን ተወሳኺ ሓበሬታን ኣውጺኡ’ሎ። “ሓደ ካብ ለውጢታት እዚ ሕጊ ሃገር ዘይብሎም( stateless) ሰባት ኣብ ገሊኡ እዋናት ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ዝኽእሉ ምዃኖም እዩ። እዚ” ኣብ ገለ እዋናት” ዝብል መግለጺ እንታይ ዝርዝራትን ተርጒምን ከም ዘለዎ ግና ኣይሓበረን ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ናይ ስደተኛ ደረጃ ዝረኸቡ ሰባት ጥራይ እዮም ምጥርናፍ ስድራቤት ዝምልከቶም ኔሩ፡ እንተኾነ ግና ካልእ ናይ ሓለዋ ስታተስ ዘለዎ ስደተኛ’ውን ከምዚ ዝመሰለ መሰለ ከም ዘለዎ እቲ ሃበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ’ሎ። ስለዚ ድማ ፍቓድ መንበሪኦም ኣብ ግዚኡ ከሐድሱን ከም ዝግባእ ግሉጽ ኮይኑ ምስ ስድራቤት ንምጥርናፍ ስድራኻ እትኣልየሉ እዂል ኣታዉን መንበሪ ቤትን ክህልወካን እቲ ሕጊ ከም ረቓሒ የቐምጥ። እቶም ናይ ምምህዳር ከተማ ፕሮቴክሽን ዘለዎምን ክሳብ 19 ሓምለ 2019 ናይ መንበሪ ፍቓድ እተዋህቦምን ካብዚ ሕጊ ክፍትሑ ከም ዝኽእሉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com