Wednesday , May 15 2024
FILE - In this July 7, 2006 file photo, Boston Symphony Orchestra music director James Levine conducts the symphony on its opening night performance at Tanglewood in Lenox, Mass. The Met Opera has fired music director emeritus James Levine, finding "credible evidence" of "sexually abusive" conduct. (AP Photo/Michael Dwyer, File)

ህቡብ ኮንዳክተር ኦፔራ ጄምስ ለቫይን ዓሪፉ

ምስ ሜትሮፖሊታን ኦፔራ ኒው ዮርክ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ኣዝዩ ህቡብ ኮንዳክተር ኦፔራ ዓለምና ጄምስ ሌቫይን ኣብ መበል 77 ዓመቱ ዝሓለፈ ረቡዕ ዓሪፉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ምስ ጾታዊ ምድፋር ብዝተኣሳሰሩ ክሲታት ካብ ሞያኡ ተፈናቒሉ ምጽንሑ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ’ላ።

እዚ ብብንጫር ጸጒሩን ከበብቲ መነጽሩን ዝልለ ኮንዳክተር ሙዚቃ ብፍላይ ብሙዚቀኛታት ሜት ኣዝዩ ፍቱው ምንባሩ ይፍለጥ። ድሕሪ ሊዮናርድ በርንስቲን እቲ ኣዝዩ ፍቱው ኮንዳክተር ምዃኑ ዝነገረሉ ሌቫይን ኣብ ዘመነ ሞያኡ 2500 ምርኢታትን 85 ኦፔራታትን ከም ዝመርሐ ይፍለጥ። ንሱ ኣብ 1971 ናይ ኮንዳክተርነት ሞያኡ ምስ ሜት ጀሚሩ። ዝዓበዩ ኦርኬስትራታት ኣመሪካን ኣውሮጳን እንተላይ ሙኒክ ፊላርሞኒክን ቦስተን ሲምፎኒ ኦርኬስትራን ብ ሌቫይን ኮንዳክት ዝተገብሩ እዮም።

ካብ 2016 ንደሓር ብምኽንያት ጥዕና ካብ ሞያኡ ተገሊሉ እናሃለወ ኣብ 1960ታት ትሕቲ ዕስራ ዓመት እናሃለና ጾታዊ ጥቕዓት ፈጺሙልና ብዝብል ሰለስተ ሰብኡት ከም ዝኸሰስዎን በቲ ውርደት ምስ ሞያኡ ክባተኽ ከም ዝገበሩን ጸብጻባት የመልክቱ።

ምስ ሊቫይን ካብ ዝሰርሑ ኣዝዮም ህቡባት ናይ ኦፔራ ደረፍቲ ሉቺያኖ ፓቫሮቲ ሓደ እዩ። ብዘይካዚ ፕላቺዶ ዶሚኒጎ፥ ሬነ ፍለሚንግ፥ ኣና ኔትሬብኮ፥ ማርሊን ሆርን፥ ጄሲ ኖርማን፥ ሳሙኤል ራሚን ካላኦትን ይጥቀሱ።

“ሌቫይን ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ስነጥበበኛታት ዓለምና እዩ ኔሩ። ኣብ ዘመናዊ ዓለምና ዝበለጹ ኦርኬስትራታት ሰሪሑ እዩ። ምናልባት ዝዓበየ ኮንዳክተር ዓለምና እንተበልናዮ እውን ምግናን ኣይኮነን” ክብል ጌልብ ኣብ 2011 ን ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ምስክርነቱ ሂቡ ምንባሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com