Friday , May 17 2024

ሊጄይን ኣልሓጥሉል፡ ዝፎኸሰ ፍርዲ ክብየነላ ትጽቢት ትገብር

እታ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ብቃለ-ፈጽሚ (parole) ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸት፡ ተጣባቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ሱዑዳዊት፡ ሉጄይን ኣልሓጥሉል፡ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ምዃናን ዝፎኸሰ ፍርዲ ክብየነላ ትጽቢት ገይራ ከምዘላ ገሊጻ።

ኣልሓጥሉል፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2018፡ ኣብታ ሓንቲ ካብተን ብዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮ ዝፍለጣ ሃገራት ዝኾነት፡ ሱዑዲ ዓረብ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ መኪና ንኽዝውራ መሰለን ክኽበረለን ኣለዎ ብምባል ምንቅስቓስ ድሕሪ ምጅማራ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወት ይዝከር። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ምስ ባዕዳውያን ሃገራት ርክብ ከምዘለዋን ተነቀፍቲ ሓበሬታታት ብምስሏኻን ተኸሲሳ ን6 ዓመታት ንኽትእሰር ተፈሪዳ። ስድራ ቤት ኣልሓጥሉል ግን ነቲ ክሲ ከምዝነጸግዎ ይዝከር።

ኣብ ወርሒ የካቲት 2021፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብቃለ-ፈጽሚ ምውጻኣ፡ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ምምሕዳር፡ ጆ ባይደን፡ ምትሕሓዝ ክህልዎ ከምዝኽእል ብዙሓት ወገናት ይእምቱ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ንሱዑዲ ዓረብ፡ ክኸሳ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣልሓጥሉል፡ ወላ’ኳ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብቃለ-ፈጽሚ እንተወጸት፡ ካብ ሃገረ ሱዑዲ ዓረብ ክትወጽእን ህዝባዊ መደረታት ክትገብርን ከምዘይፍቀዳ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com