Friday , May 17 2024

ልዕሊ 21 ሚልዮን ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ተኸቲቦም

ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ ክሳብ ዕለት 14 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 21.2 ሚልዮን ካብ ዜጋታታ፡ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ከምዝኸተበት ኣብ ሎንዶን ዝመደበሩ ጋዜጣ ኢቭኒን ስታንዳርድ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ካብዞም 21 ሚልዮን ብክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝተኸትቡ ሰባት፡ 168 ምስ ደም ናይ ምርጋእ ዝተሓሓዝ ተርእዮታት ከጋጥሞሞ እንከሎ፡ ካብዞም ከምዚ ዓይነት ኩነት ዘጋጠሞም ሰባት ድማ 32 ሰባት ምሟቶም ተቖጻጻሪ መድሃኒት ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ።

ካብቶም ደም ናይ ምርጋእ ተርእዮ ዘጋጠሞም ሰባት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 93 ዓመት ዝርከቡ ኮይኖም፡ 93 ደቂ ኣንስትዮን 75 ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ቀዳማይ እብረ ክታበት፡ 1 ድማ ድሕሪ ካልኣይቲ እብረ ክታበት ዘጋጠሞም ምንባሮም፡ ተቖጻጻሪ መድሃኒት ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com