Friday , May 17 2024
Foto: Berit Roald / NTB

ልዕሊ 40 ጀላቡ ሩስያ ናብ ክሊ ማያት ኖርወይ ኣትየን። 

ብምኽንያት ሕማቕ ኲነታት ኣየር 40 ጀላቡ ሩስያ ኣብ ክሊ ማያት ኖርወይ ካብ ክቨናንገን ክሳብ ፖርሳንገርፍዮርድ ከም እተዓቚባ ተገሊጹ። እዚ ኲልሳዕ ዘጋጥም ንቡር ኩነታት ምዃኑ ሰራዊት ኖርወይ ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬት ኣመልኪቱ። 

ዝበዝሓ እዘን ጀላቡ ኣብ ሱሩይሱደንት ምዕራብ ሃመርፈስት ከም ዝርከባ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። 

“እዘን ጀላቡ ከምቲ ወትሩ ሕማቕ ኲነታት ኣየር ከጋጥም እንከሎ ዝገብርኦ ዕቚባ ሓቲተን ኣለዋ” ክብል ኣብ መደበር ስርሒታት ሰራዊት ምክልኻል ኖርወይ ሓላፊ ጒዳያት ፕረስ ኢቫን ሞየር ንጋዜጣ ፊስከሪብላደት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ምምጻእ እዘን ጀላቡ ሩስያ ምስቲ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ሰሜን ኖርወይ ዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምዳት ምንም ርክብ ከም ዘይብሉ ኣፈኛ እቲ ሰራዊት ገሊጹ’ሎ። 

እዚ “ኮልድ ሪስፖንስ 2022” ዝተባህለ ወተሃደራዊ ልምምድ ክሳብ 31 መጋቢት ዝጸንሕ ኮይኑ ኣብ 27 ሃገራት ኣተዋጽኡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰራዊት ይሳተፍዎ ምህላዎም ኖርዌይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com