Friday , May 17 2024

ሎሚ ምሸት ኖርዌጃውያን ንምድሪ ዝቐረበት ዓባይ ወርሒ ክርእዩ እዮም።

ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ናብ ምድሪ ዝቐረበትን ካብቲ ንቡር ቊሩብ እትገዝፍን ምልእቲ ወርሒ ከም እትረአ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ምሸት ኖርዌጃውያን ኣብዛ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ ምልእቲን ዕብይ ዝበለትን ወርሒ ኣብ ሰማያት ክርእዩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

እታ ሎም ምሸት እትረአ ወርሒ፡ ካብታ ንብርቲ ብ 7% እትዓቢ ከም እትከውን ድምቀታ እውን ከም ዝውስኽን “ኢላስትሬትስ ሳየንስ” ዝተባህለ መጽሔት ገሊጹ’ሎ። ወርሒ ናብ ፕላኔትና ኣብ ዝቐረበ ኦርቢት ኣብ እትኾነሉ (“ፐዲግሪ”) እዋን ከምዚ ዝበለ ክስተት ከም ዘጋጥም እታ መጽሔት ገሊጻ’ላ።

እዛ ዓባይን ምልእቲን ወርሒ፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ እትርአ ኮይና፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት 2023 ረቡዕ ባሕቲ ነሓሰ ሰዓት 8:37 ምሸት ክትረአ እያ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com