Friday , May 17 2024

ሎቪን፡ ንሕማም ኮቪድ-19 ንምምካት እኹል ምድላዋት ኣይገበርናን።

ሽወደን ንሕማም ኮቪድ-19 ንምምካት ዝግባእ ምድላዋት ከምዘይገበረት ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቪን ሓቢሩ። ቀዳምነት ዝሓዘቶ ስትራተጂ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምውሓስ እዩ ነይሩ። ኣገልግሎታት ማይ፡ ኤሌክትሪክን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ካብቶም ቀዳምነት ዝወሃቦም ዕማማት ነይሮም ክብል ሎቪን ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ሎሚ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ኣንጻር ሕማም ኮቪድ-19 እኹል ዝኾነ ምድላዋት ዘይምህላዉ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ ተሓታቲ ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ሽወደን ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኩለን ሰልፍታት ብማዕረ ተሓተቲ እየን።

ካብ ምውዳእ ዝሑል ኲናት ጀሚራ ሽወደን ንኸምዚ ዓይነት ምድላዋት ሸለል ክትብሎ ጽኒሓ እያ። እቶም ዝሓለፉ መንግስታት ውን ሓላፍነት ዝስከሙ እዮም። እዚ ጉዳይ ድማ ን30 ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ኩነት እዩ፡ ክብል ሎቪን መልሲ ሂብሉ። እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ጌና ኣይተወደአን። ንሳምንታት ዘይኮነ ንኣዋርሕ ክምጠጥ ተኽእሎታት ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብ ሓደገኛ ግዜ ምህላውና ተገንዚቡ፡ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ክዛነ የብሉን ብምባል ዘረብኡ ደምዲሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com