Friday , May 17 2024

ሓላፊት ምምሕዳር ከተማ ሶልቨስቦሪ፡ ሒጃብ ትኽልክል ቀዳመይቲ ምምሕዳር ከተማ ክንከውን ንደሊ ኢና ትብል

ሓላፊት ምምሕዳር ከተማ ሶልቨስቦሪ፡ ልዊዛ ኤሪክሰን፡ ኣብ መባእታን ማእከላይን ቤት ትምህርታት፡ ናይ ዓበይቲ ትምህርት ዝመሃሩን ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ዝሰርሑን ሒጃብ ንኸይክደኑ ዝኽልክል ሕጊ ክተጽድቕ ትጽዕር ምህላዋ ገሊጻ ክብል መርበብ ሓበሬታ ኤክስፕረሰን ሓቢሩ።

ንጉዳይ ሒጃብ ዘይምኽዳን፡ ቅድሚ ሕጂ ብቤት ፍርዲ ዝተነጽገ ኮይኑ፡ ነዚ ውሳኔ ብኸመይ ኣገባብ ከምንቕይሮ ንፈልጥ ኢና ክትብል ናይ ቅድም በዓልቲ ቤት ሓላፊ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና ዝኾነት ልዊዛ ኤሪክሰን ሓቢራ።

ቤት ትምህርታት፡ ንህጻናትና፡ ካብቲ ናይ ማእከላይ ዘመን ኣተሓሳስባ ክከላኸላሎም ይግባእ ክትብል፡ ኤሪክሰን ወሲኻ።

ህጻናት ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምድልየተን ጸጉረን ክስንተራን ካብ ጾታዊ ምፍልላይ ነጻ ንኽኾናን ድሌት ከምዘለዋ፡ ኤሪክሰን፡ ኣብ ገጻት ፌስቡካ ጺሒፋ ከምዝነበረት ይዝከር።

ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ ክንቃለስን ጸጉሪ ርእሰን ንኽኸፍታ መሰል ክረኽባን እንታይነተን ብመንገዲ ኣልባሳተን ንኽገልጻ መሰለን ሕሉው ክኸውን ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ቅድሚ ሎሚ፡ ምምሕዳራት ስኩሩፕን ስታፋንስቶርፕን ሕጃብ ንኽኽልክላ ፈቲነን ምንባረን ዝዝከር እዩ።

ሒጃብ፡ ንዓቕምታት ደቂ ኣንስትዮ ዝድርት እዩ ካብ ዝብል ስነ ሓሳብ ተሞርኪሳ ንቤት ፍርዲ ክትካታዕ ከምትሓስብ፡ ኤሪክሰን፡ ገሊጻ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ካብ ዝቕጽል ዓመት፡ ኣብ ሽወደን፡ ሒጃብ ክኽልከል ተስፋ ከምዘለዋ፡ ኤሪክሰን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com