Thursday , May 16 2024
a Tesla electric vehicle emblem (AP Photo/Steven Senne) NYBZ405

ሓላፊ ኩባንያ ተስላ፡ ዋጋ 190 ሚልዮን ክሮኖር ዝግመት ብርክታት ሸይጡ

ኣቦወንበር ኩባንያ ተስላ፡ ሮቢን ደንሆልም፡ ዋጋ 22 ሚልዮን ዶላር (190 ሚልዮን ክሮኖር) ዝግመት ብርክታት ከምዝሸጠ ቁጠባዊ ምንጭታት ኣሜሪካ ሓቢሮም ክብ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ደንሆልም፡ ክሳብ 31,250 ዝበጽሕ ብርክታት፡ ብማእከላይ ዋጋ፡ 703 ዶላርን 726.20 ዶላርን ንሓደ ብርኪ፡ ከምዝሸጠ ገሊጹ።

ሮቢን ደንሆልም፡ ኣብ ዓመተ 2018፡ ካብ መስራትን ፕረዚደንት ኩባንያ ተስላ፡ ኢሎን ሙስክ፡ መዝነት ኣቦ ወንበርነት ከምዝተረከበ ይዝከር። ሙስክ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ንኩባንያ ተስላ፡ ናብ ብሕታዊ ኩባንያ ክቕይሮ መደብ ከምዘለዎ ዝገልጽ መልእኽቲ ካብ ናይ ትዊተር ሒሳቡ ምስ ዘሮቐ፡ ካብ መዝነት ኣቦ ወንበርነት ናይቲ ኩባንያ ንኽእለ ከምዝተገደደ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com