ናይ ቀደም ናይ ገንዘብ ሚኒስተር፡ ኣንድረሽ ዮሪ፡ ንመስርሕ ምስግጋር ሓላፍነት ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ናብ ምምሕዳራት ይነቅፍ። ሓደ ካብ ፍሉጣት ክኢላታት ዓውደ ኢኮኖሚ ኣብ ሽወደን ዝኾነ ዩሪ፡ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ኣገባብ ቅኑዕ መፍትሒ ከምዘይኮነን ታሪኻዊ ጌጋ ምዃኑን ሓቢሩ። ሓላፍነት ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ናብ ምምሕዳራት ምስግጋር፡ ንስራሕ ዘቋረጹን ዝደልዩን ዘለዉ ሰባት ብቐሊሉ ናብ ስራሕ ዓለም ንኸይወሃሃዱ ጠንቂ ክኾኖም ከምዝኽእል ይዛራብ።
እዚ መስርሕ ምስግጋር ሓልፍነት ካብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ናብ ምምሕዳራት፡ ሓደ ክፋል ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ሽወደንን ማእከላይን ሊበራላዊ ሰልፍታት ዝተገብረ ስምምዕ እዩ። ኣደ-ወንበር ሊበራላዊ ሰልፊ፡ ኒያምኮ ሳቦኒ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ለውጥታት ንምዝታይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ህጹጽ ኣኼባ ንምግባር ትጽውዕ።