Thursday , May 16 2024
(AP Photo/Sakchai Lalit)

ሓሳኹ: መግቢ ናይ ጠፈርተኛታት ከኾኑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ

ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም ዝርዝር ዓይነት መግቢታት፡ ጠፈርተኛታት: ዘይልሙድ ወሰኽ ናይ ምግቢ ክግበረሎም ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ከም ናይ ሕርሻ ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ሽወደን (SLU) ካብ ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ዝርከቡዎም ኣብ ዝገብሩዎ ዘለዉ መጽናዕቲ፡ ሓሳኹ ኣብ ጠፈር ከመ ሃናጺ መግቢ ኮይኖም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ እንድሕር ኮይኖም ክፍትሹ ምዃኖም ራድዮ ሳይንስ (vetenskapsradion) ጸብጺቡ።

ኣብ ናይ ነዊሕ ናይ ጠፈር ጉዕዞታት ኮምኡ’ውን ናብ ካልኦት ፕላኔታትን ንምብጻሕ ኣብ ዝግበሩ ጻዕሪታትን፡ ሓሳኹ ከመይ ገይሮም ንስሩዕ መግቢ ተኪኦም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ብዝምልከት ብምርምር ዝተደገፈ ኣገዳሲ ንብሎም ውጽኢታት ሰኒድና ከነቕርብ ኢና” ክትብል ኣብ SLU ፕሮፌሰር ናይ ኢኮሎጂ ዝኾነት ኦሳ ቤርግሬን ገሊጻ።

እቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዝተዋጽኡ ምሁራት ናይ ኢኮሎጂ፣ ፊዝዮሎጂ፣ ክኢላታት ናይ ዓይነታት ሃናጺ ምግቢን ሓኻይምን ብሓባር ዝካየድ ኮይኑ፡ ነቲ መጽናዕቲ ብገንዘብ ዝምውሎ: ኤውሮጳዊ ትካል ጠፈር (European Space AgencyESA) ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ካብቶም ብድሆታት: ሓደ፡ ናይ መሬት ስሕበትን ጸርጊን (gravity and radiationሓዊሱ ኣብ ግዜ ጉዕዞ ናይ ጠፈር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዕንቅፋታት ሰጊርካ እቶም ሓሳኹ ብዘይ ጸገም ክራብሑ ዝኽእሉሉ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ።።

እቶም ናይ መጀመርታ ውጽኢታት ናይዚ መጽናዕቲ እንተቐልጠፈ ኣብ ዓመተ 2022 ከምዝቐርቡ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com