Friday , May 17 2024

ሓንቲ ሰበይቲ፡ ንገንዘባዊ ምትላል ተቓሊዓ . . . . . . ባንክ ድማ፡ ክሕሳ ኣይከፍልን’የ ይብል

መይ ብሬት ዝተባህለት ጓል 80 ዓመት ሰበይቲ፡ ብሓደ ሰራሕተኛ ናይ ባንክ እየ ኢሉ ዝደወለላ ሰብ፡ ንገንዘባዊ ምትላል ከምዝተቓልዐትን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እዛ ጓል 80 ዓመት፡ 900 ሽሕ ክሮን ከምዝኸሰረት (ከም ተሰርቀት) ተፈሊጡ።

መጠን ብመንገዲ ቴሌፎን ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝካየዱ ናይ ምትላል ተርእዮታት፡ እናበዝሑ ይመጹ ምህላዎም ዝፍለጥ  እዩ። ምኽንያቱ፡ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን፡ ዲጂታላዊ መስርሕ ናይ ባንክ ይኽተሉ ስለዘለዉ እዮም።

ኣብ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት፡ ኣቕራቢ መደብ “200 ካልኢት”፡ ዝኾነ ሮበርት ኣሽበሪ፡ ንምጥፋእ ናይዚ ገንዘብ ኣመልኪቱ፡ ነተን ባንክታት ሓላፍነት ኣሰኪሙ ኣሎ።

እቲ መደብ፡ ንኣስታት 169 ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝተኻየደ መስርሕ ምትላል ድሕሪ ምጽናዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ኣስታት 400 ሚልዮን ክሮን ከምተሰርቀን፡ እቶም ግዳያት ግን ዝኾነ ዓይነት ካሕሳ ከምዘይረኸቡ ሓቢሩ።

እቶም ግዳያት፡ ካሕሳ ኣብ ዝሓትሉ እዋን፡ ሓንቲ ሳንቲም ኣይረኽቡን እዮም። በንጻሩ እኳ ድኣ፡ እተን ባንክታት፡ ንሓላፍነት ናይቲ ጉዳይ፡ ናብቶም ግዳያት የሰክማ ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com