Friday , May 17 2024

ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ንውሱናት ዓይነት ኣልባሳት ዝምልከት፡ መምርሒ ኣውጺኣ

ኣብ ዮቶቦሪ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ የንሰን (Jensen)፡ ንኣለባብሳ ተማሃሮ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ከምዘውጸአት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ብ ሚዩኪስቢክሶር (mjukisbyxor) ዝፍለጥ ናይ ለይቲ ስረ ዝመስል ምኽዳንን ኣብ ሽምጢ ዝእሰር ቦርሳ ጌርካ ናብ ቤት ትምህርቲ ምምጻእ ከምዝኸልከለት ሓቢራ።

ንኣለባብሳ መማህራን ዝምልከት መምርሒ ኣለና። ናብ ትምህርቲ ክመጹ እንከለዉ ምሉእ ኣቓልቦ ንኽገብሩ ከምዝሓገዞም ይዛረቡ። ተመሳሳሊ ዓይነት መምርሒ ድማ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮና ኣመሓላሊፍና ኣለና። ተመሳሳሊ ውጽኢት ንኽንረክብ ድማ ተስፋ ንገብር። ኣቓልቦ ተመሃሮና ኣብ ትምህርቲ እምበር፡ ኣብ ክዳንን ካልእን ክኸውን ኣይንደልን ኢና  ክብል ሓላፊ ቤት ትምህርቲ፡ ማትስ ሮዚን፡ ገሊጹ።

ፍሉይ ዓይነት ኣልባሳትን ኣለባብሳን፡ ምስሊ ናይ ገበናውያን ጉጅለታት ዘንጸባርቑ እዮም። እዚ ድማ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ሻቕሎት ክፈጥር ዝኽእል ተርእዩ ክኸውን ይኽእል ክብል፡ ሮዚን፡ ወሲኹ ገሊጹ።

ተማሃሮ፡ ፍሉይ ናይ ትምህርቲ ኣልባሳት ንኽክደኑ፡ ቤት ትምህርታት፡ ክግድዳ ኣይክእላን እየን። ምኽንያቱ ንመሰል ናጽነት ኣለባብሳ ምግሃስ ስለዝኸውን። ቤት ትምህርቲ የንሰን ግን፡ ንመምርሒታቱ ከም ማሕበራዊ ምኽሪ ጌሩ ከምዝቖጽሮ ሓቢሩ።

ነዞም መምርሒታት ዝጥሕሱ ተማሃሮ ምስ ዝርከቡ፡ ወለዶም ኣብ ዝርከብሉ ኣጋጣሚ ጌርና ንዛረቦም። ኣብ ልዕሊ እቶም ተማሃሮ ዝውሰድ ስጉምቲ ግን የለን ክብል ሮዚን ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com