Thursday , May 16 2024
(AP Photo/Franc Zhurda) XPG103

ሓንቲ ጋዜጠኛ፡ ንኡርዶጋን ‘ብምጽራፋ’ ተኣሲራ

ሓንቲ ቱርካዊት ጋዜጠኛ፡ ንፕረዚደንት ሬሴፕ ጠይብ ኡርዶጋን፡ ኣብ ናይ ቴለቪዥን መደብ ‘ጸሪፍክዮ’ ብዝብል ክሲ ከምዝተኣሰረት ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ዘውዲ ዝደፍአ ርእሲ ጥበበኛ ይኸውን ዝብል ብሂል ኣሎ፡ ይኹን እምበር እዚ ሓቂ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን” ክትብል ሴዴፍ ካባስ ዝተባህለት ውርይቲ ናይ ቴለቪዥን ጋዜጠኛ ንቴለ 1 ሓቢራ።

ብዕራይ ናብ ቤተ-መንግስቲ ስለዝኣተወ ንጉስ ኣይከውንን’ዩ፡ እቲ ቤተ-መንግስቲ ደኣ ናብ ዛሬባ ይቕየር እምበር።

ከም ጸብጻብ ናይ ጠበቓኣ እንተኾይኑ፡ ካባስ፡ ቀዳም ለይቲ እያ ነዚ ልዕል ክብል ተጻሒፉ ዘሎ ሓሳብ ኣብቲ 900,000 ዝኾኑ ሰዓብቲ ዘለውዋ ኣብ ትዊተር ኣካውንታ ድሕሪ ምልጣፋ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ካብ ገዝኣ ተወሲዳ ዝተኣስረት።

ብሰንበት፡ እቲ ዳኛ፡ ነቲ ናይቶም ከሰስቲ ‘ክትሃድም ትኽእል’ያ’ ክብል ዘቕረቦ ሓሳብ ድሕሪ ምቕባሉ እያ ክትእሰር ዝተወሰነ።

ሓንቲ ጋዜጠኛ እየ በሃሊት፡ ንፕረዚደንትና እንተርፊ ጽልኢ ምግዋሕ ካልእ ቅዉም ነገር ኣብዘይብሉ ጣብያ ናይ ቴሌቪዥን ወጽያ እያ ጸሪፋቶ” ክብል ናይ ኤርዶጋን ወሃብ ቃል ዝኾነ ፋህረቲን ኣልቱን ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ቱርኪ፡ ነዚ ናይ ካባስ ማእሰርቲ፡ “ኣንጻር ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዘቕነዐ ቅሉዕ  መጥቃዕቲ እዩ” ክብል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ናይ ምጽራፍ ወንጀል እንተወሓደ ንሓደ ዓመት እንተበዝሐ ድማ ንኣርባዕተ ዓመታት ማእሰርቲ ዘፍርድ ገበን እዩ። ካብ ዓመተ 2014 ንነጀው፡ ልዕሊ 35,500 ጉዳያት ጸርፊ ኣንጻር ኡርዶጋን ከምዝተጸብጸቡን ካብዚኣቶም ድማ ነቶም 13,000 ዝኾኑ ተኸሰስቲ ብገበን ክሕተቱ ከምዝበቕዑን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ቱርኪ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ንመብዛሕትኦም ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምእታው ዝፍለጡ ሃገራት እታ ሓንቲ ምዃና ዝፍለጥ’ዩ። እታ ሃገር ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ናጽነት ብምጉዕጻጽን ብዙሓት ኣንጻር መንግስቲ ዝነጥፉ መራኸቢ ብዙሃን ብምዕጻወን ተደጋጋሚ ዝኾነ ምኹናን ዝበጽሓ ሃገር እያ። እዚ ምዕባለ’ዚ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ዓመተ 2016 ኣንጻር ኡርዶጋን ተፈቲኑ ድሕሪ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ እንዳተጋደደ ዝመጸ ፍጻመ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ዶብ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት (Reporters Without Borders-RSF) ዝተባህለ ትካል ንቱርኪ፡ ካብቶም 180 ሃገራት ብመሰረት ምሰል ናይ ምዝራብ ናጽነት ኢንደክስ (Press Freedom Index) ዝብል ዝርዝር፣ ኣብ ዓመተ 2021 መበል 153ን ተርታ ከምዝሰርዓ ዝፍለጥ’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com