Thursday , May 16 2024

ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ደርዘናት ሰደተኛታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ምጥሓሎም ሓቢሩ!!

ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ብደርዘናት ዝቚጸሩ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምጥሓሎምን ብዙሓት ካልኦት ምድሓኖምን ገሊጹ’ሎ። እዞም ስደተኛታት ሓንቲ ዝበለየት ናይ ዕንጸይቲ ጃልባ ተጠቒሞም ባሕሪ መዲተራንያን ክሰግሩ ከም ዝፈተኑ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ ሓደጋ 116 ስደተኛታት ክሞቱ እንከለዉ 132 ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ጀለብቲን ምድሓኖም ተፈሊጡ። እዛ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ልዕሊ 200 ሰባት ጽዒና ካብ ኣልኹምስ ምብጋሳን እቶም ዝደሓኑ ናብ ሊብያ ክምለሱ ከም እተገብረን ኣፈኛ ዩኤኔችሲኣር ቻርሊ ዬክስሊ ገሊጹ’ሎ። ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ክሳገሩ ዝደልዩ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ማእከል መንጠሪቶም ከም ዝገብርዎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com