Friday , May 17 2024

ሓደስቲ ቀረብ ነቲ ናይ ሽወደን ናይ ምርመራ ብቕዓት ዕጽፊ ይገብሮ።

ካሮሊና ኢንስቲትዩት፡ ስቶክሆም፡ ነቲ ናይ ሽወደን ናይ ምርመራ ብቕዓት ብዕጽፊ ዘዛይዶ ናይ መፈተኒ ኣቕሑ ከምዝረኸበ ሓቢሩ። እቲ ኣቕሑ ነቲ ምርመራ ዘደንፍዕ ናይ ምርመራ መሳርሒታትን ሮቦታትን ኮይኑ፣ በዚ ድማ ኣብ መዓልቲ 5000 መርመራታት ከካይድ፡ ኣብ ሰሙን ድማ ኣስታት 35 ሽሕ  መርመራታት ናይ ምኽያድ ዓቕሚ ኸምዘሎዎ እዩ ዝገልጽ ዘለዎ። በዚ መስርሕ እዚ ኢንስቲትዩት  ብዝሓሽወ መንገዲ ንሰራሕ  ድልው ምህልዉ  ላሽ ኤንግስትራንድ  ኣከያዲ እዚ  ኢንስቲትዩት ይገልጽ።

በዚ መሰረት ካብ ሰሉስ ጀሚርና ን 18 ሽሕ ናይ ጥዕና ሰራሕተኛታት፡ ምርመራ ክንጅምር ምኻኑን፣ ኩሉ ካብ  ስቶክሆልም  ወጻኢ ዝረከብ ኣብ ግዜ መረመራ ምትሕብባር ከርእይ ይጽውዕ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com