Thursday , May 16 2024
Stockholm 20200419 Personer flanerar på Norr Mälarstrand i Stockholm under söndagen till skillnad från de flesta människorna i Europa som fortfarande befinner sig i coronakarantän. Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ሓድሽ ሕጊ ለበዳ፡ ትማሊ ሰንበት ተግባራዊ ኮይኑ

እዚ ሕጊ ክሳብ 31 መስከረም ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ሕጊ፡ ንመንግስቲ፡ ለበዳ ንምክልኻል ዘኽእሎ ዝያዳ ስልጣን ዝህብ እዩ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ መንግስቲ፡ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክውስን፡ መን ኣብ ቤት ክጸንሕ መንከ ኣብ ስራሕ ክወፍር ከም ዝግብኦ ክውስን ከኽእሎ እዩ። ኣብ ኣድላይ እዋናት፡ ቢዝነሳት ምሉእ ብምሉእ ክዓጽው እውን ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ።

በዚ ሕጊ ዝጽለዉ ንጥፈታት እዞም ዝስዕቡ እዮም

  • ትያትራት፡ ሲነማታት፡ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ፡ ህዝባዊ ምትእኽኻባትን ህዝባዊ ንጥፈታት
  •  
  • ጂምናዝዮማት፡ ካምፕ ዝግበረሉ ቦታታት፡ መካነ እንስሳ፡ ባህላውን መዘናግዒ ንጥፈታት
  • ዱካናት፡ ናይ ሸቐጥ ቦታታትን (ሞላት) ካልእ ተመሳሳሊ ቦታታት
  • ህዝባዊ መጓዓዝያን ውሽጣዊ ናይ ኣየር መጓዓዝያን
  • ኣዳራሻት፡ ንኣብነት ናይ ሳዕስዒት ኣዳራሻትን ብሕታዊ ናይ መአከቢ ቦታታትን
  • ህዝባዊ ቦታታት፡ ከም ፓርክታትን መሐንበሲ ቦታትታን
  • ብዘይካዚ መንግስቲ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ህዝሉ መጠን ተኣከብቲ ክውስን ክኽእል እዩ።

ቤት ምኽሪ ምምሕዳራትን ምምሕዳር ከተማን፡  ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምድራት፡ ዘድልዩ ውሳነታት ንምትሕልላፍ መሰል ተወሂብወን ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ነዚ ሕጊ ብምግሃስ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝርከብ ሰብ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

መንግስቲ፡ ንናይ ምዕጻው ውሳኔ ንኸተግብር ኣብ ዝሓስበሉ እዋን፡ ነቲ እማመ፡ ናብ ባይቶ ብምቕራብ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን መልሲ ይወሃቦ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ መጋቢት 15 ክትግበር እዩ ዝብል እማመ መንግስቲ እኳ እንተነበረ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ነቐፌታታት ብምብዝሑ እዚ ሕጊ ኣብ 10 ጥሪ ተግባራዊ ክኸውንን ክሳብ መስከረም 2021 ከኣ ክጸንሕን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com