Monday , May 20 2024
(Ukrainian Presidential Press Office via AP) DCJE528

ሓገዝ ኣጽዋር ዘምጽኣ መራኽብ ብምድንጓየን ዩክሬይን ነቒፋ።

ሓገዝ ኣጽዋር ዘምጽኣ መራኽብ ምድንጓየን ሩስያ ኲናት ክትቅጽል ከም ዘለዋ ጌራ ክትትርጒሞ ትኽእል እያ ክብል ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቒፉ።

“እዚ ምድንጓይ መራኽብን ፖለቲካዊ ውሳነን ሩስያ ተወሳኺ ህይወት ዩክሬይን ከተጥፍእ ዕድል ይህባ’ሎ፡ ምኽንያቱ ሩስያ ነቲ ምድንጓይ ኲናት ንምቕጻል ከም ዘድልያ ቀጠልያ መብራህቲ ጌራ እያ ትትርጒሞ ዘላ። እዚ ፈጺሙ ክኸውን ዘይግብኦ እዩ” ክብል ዘለንስኪ ኣብ ዝፈነዎ መዓልታዊ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ገሊጹ’ሎ። ዩክሬይን ብምብራቕ ወገን ዝገጥማ ዘሎ ወራር ሩስያ ንምብዳህ ከበድቲ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ከም ዘድልያ ክኢላታት ውትህድርና ይኣምኑ።

እዚ እናኾነ ሩስያ ኣብ ቀረባ ግዜያት ኣብ ዞባ ዶንባስ ወራር ክትከፍት ከም እትኽእል ዘለንስኪ ደጊሙ ኣጠንቂቑ’ሎ። “ከምቲ ወራሪ ሰራዊት ሩስያ ንማርዮፑል ዘዕነዋ ን ከተማታትን ህዝቢን ዶነስክን ሉሃንስክን እውን ከዕንዉወን እዮም ዝደልዩ ዘለዉ” ኢሉ። ኣብታ ንብርክት ዝበላ ሳምንትት ኣብ ክባ ዝጸንሐት ወደባዊት ከተማ ማርዮፑል ኣሽሓት ሰባት ምሟቶም እዩ ዝግለጽ። ዘለንስኪ ነቶም ኲሉ ዝከኣሎም ንዩክሬይን ዝሕግዙ ዘለዉ መሻርኽቲ ድሕሪ ምምስጋን “እቶም ዘድልየና ኣጽዋርን ስንቅን እናሃለዎም ንምሃብ ዝድንጒዩ ዘለዉ ግና ውጽኢት እዚ ኲናት ኣብኣቶም ከም ዝምርኮስ ክፈልጡ የድልዮም ኣሎ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com