Thursday , May 16 2024

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነፈርቲ ካብ ሽወደናዊ ትካል SABB ንምዕዳግ ሓሳብ ከምዘለዋ ተፍልጥ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ብደርጃ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎን ክልተ ዓበይቲ ነፈርቲ ካብ ሽወደናዊት ትካል SABB ክትገዝእ መደብ ከምዘለዋ ሽወደናዊ መፍረ ወታደራዊ ናውቲ ኣፍሊጡ። እዚ ኣብ ከተማ ስቶኮሆልም ዝመደበሩ ትካል SABB ዓበይቲ ተዋጋእቲ ጆት ነፍርቲ ን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ንምሻጥ ናይ ኣስታት 1.08 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ከምዘሎን እንተኾነ ዛጊት ኣብ መፈጸምትኡ ከምዘይበዝሔን ኣብ ቀረባ እዋን ግን ከምዝፈራረሙ እዩ እ\ኢ ትካል ዝሕበር።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ  ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ሰማይ መሬትን ባሕርን ዓድማዕነት ዘለዎን ሰልስተ Global Eye reconnaissance aircraft ዝተባህላ እተን ክልተ ኣብ 2015 እታ ሓንቲ ድማ ኣብ 2017 ኣብዚ ትካል ከምዝዓደገት ይፈለጥ።  ብተውሳኺ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዚ መደበር ሓይሊ ኣየራ ዝያዳ ንምድራዕ ነዘን ተወሰኽቲ ክልተ ነፈርቲ ንምዕዳግ መደብ ገራ ዘላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com