Monday , May 20 2024

መብዛሕትኦም ፊንላንዳውያን ነቲ ብእስራኤል ኣብ ጋዛ ዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ይቃወሙ

ዝበዝሑ ፊንላንዳውያን ነቲ ብእስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዘይቅበልዎ ብዋይ.ኤል.ኢ ዝተኻየደ
መጽናዕቲ ኣቃሊዑ። እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ቓዛ ዝወሰደቶ ስጉምቲ 60% ካብ ህዝቢ ኖርወይ ዘይቅበሎ ክኸውን
ከሎ፡ 21% ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ድማ ደገፎም ሂቦም ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ ንጹር ኣረዳድኣ ዘይብሎም ወይ

ርእይቶኦም ክህቡ ድሌት ዘይብሎም እዮም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቱርኮ ተመራማሪ ሚድያ ኣኑ ኮይቩነን ትማሊ ሰኑይ ንዋይ.ኤል.ኢ
ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ማዕከናት ዜና ብዛዕባ ኲናት ቓዛ ዝጽብጽባኦ ኣብ ግምት ብምእታው ኣዝዩ ዘገርም
ምዃኑ ገሊጹ።
ኔሩ“[ኣብ ፊንላንድ] ኣጸባጽባ እቲ ኲናት ጥንቃቐ ዝመልኦን ብዙሕ ዋዕዋዕ ዘይተባህለሉን እዩ ኔሩ። ግጭት ቓዛ ብዙሕ ዕቃበታት
ብዘለዎ ኣገባብ እዩ ተዘትዩሉ። እቶም ጸብጻባት ብሓፈሻ ነቲ ጉጅለ ሓማስ ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ መጥቃዕትን መሰል ርእሰ
ምክልኻል እስራኤልን ዘጉልሑ እዮም ኔሮም” ክትብል ኣስፊሓ ገሊጻ። በዚ ድማ ጸብጻብ ፊንላንድ፡ ብዓቢኡ ሃገራት ምዕራብ
ኣብቲ ኩነታት ንዘለወን ኣቀራርባ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣጠቓላሊ ርእይቶ ሂባ’ላ። ኣብ ሽወደን ግና ኣብ ክልቲአን ማለት እስራኤልን
ቓዛን ብዝሕ ዝበለ ቁጽሪ ጋዜጠኛታትን ካልእ ምትእስሳርን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዝወጽእ ዝነበረ ጸብጻባት ብዙሕ መለሳ
ዝነበሮ እዩ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዛዕባ እቲ ኲናት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጹ። ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ
ወይ 76% ደቀንስትዮ ንተግባራት እስራኤል ዘይቅበላ ክኾና እንከለዋ፥ 43% ደቂተባዕትዮን 7% ደቀንስትዮ ንተግባራት እስራኤል
ደገፈን ሂበን ኣለዋ።፡ እዚ ድማ ምስ 35% ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ ክነጻጸር እንከሎ ዝለዓለ ኣሃዝ እዩ። ኮይቩነን እቲ ኣብ
ክልቲኡ ጾታታት ዝተራእየ ፍልልይ ርእይቶ ኣብቲ ኲናት ዝሞቱ ልዑል ቁጽሪ ሲቪላውያንን ህጻናትን ኣብ ግምት ብምእታው ዝተኸስተ
ምዃኑ ግምቱ ኣቐሚጡ’ሎ። እንተኾነ ግና ውዱእ መልሲ ንምሃብ ካልእ ዓይነታዊ መረዳእታ ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣብ ቓዛ
ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዕሊ 34,500 ፍልስጤማውያን ክሞቱ እንከለዉ፥ 77,500 ድማ ምቚሳሎም ሚኒስትሪ ጥዕና
ሓማስ ክሕብር ጸኒሑ’ሎ።
እቲ ፍልልይ ርእይቶታት ስባት አየናይ ሰልፊ ሃገሮም ይድግፉ ኣብ ዝብል እውን ዝምርኮስ እዩ ይብል ዳህሳስ ዋይኤልኢ። ብፍላይ
ደገፍቲ ጸጋማይ ኪዳን ነቲ ተግባራት ብትሪ ዝነቕፉ ኮይኖም፡ 2% ጥራይ ደገፎም ሂቦም ኣለዉ፡፡ ብኻልእ ሽነኽ ደገፍቲ ግሪን ሊግ
(5%) ን ማሕበራዊ ደሞክራሲ (9%) ደገፍ ጥራይ ደገፍ ሂቦም። እቲ ሕቶ ወሃብ ርእይቶ ን ወተሃደራዊ ሓይልን ስትራተጅን ድዩስ
ወይስ ን ሲቪላት ዝያዳ ቀዳምነት ዝህብ ዝብል እዩ ዝኸውን። እዚ ነቲ ውጽኢት ብገለ ደረጃ ከም ዝገልጾ ርግጸኛ’የ” ይብል
ኮይቩነን። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ትማል ሰሉስ እስራኤል ኣብ ደቡብ ቓዛ እትርከብ ከተማ ራፋሕ ኣብ
ልዕሊ ሓማስ መሬታዊ መጥቃዕቲ ክትገብር ከም ዝሓሰበት ድሕሪ ምግላጹ፥ እታ ከተማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፍልስጤማውያን
ዝቕመጡላ ምስ ምዃና፥ ብዛዕባ ቁጽሪ ሞት ሲቪላውያን ስክፍታታት እናወሰኸ ምኻዱ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ሰልፊ ፊንላንድ እቲ እንኮ ብዝለዓለ ኣሃዝ ነቲ ተግባራት ዝደገፈ ኮይኑ፡ 52%፥ ስዒቡ ድማ ምንቅስቓስ ሕጂ (40%) ን ሃገራዊ
ጥምረት ከኣ 35% እዮም። ብጽሒት ናይቶም ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህቡ ዘይከኣሉ ወይ ዘይደለዩ ሰባት፡ ካብ ደገፍቲ ሰልፊ
ህዝቢ ሽወደን 40% ክርስትያን ደሞክራሲ ኸኣ 37% እዩ።
“ብድሕሪዚ ኣሃዛት ኩሉ ግዜ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣሎ” ክብል ኮይቩነን ኣዘኻኺሩ። “ኣብ ኲናት ቓዛ ዘሎ ኣተሓሳስባ
ብሓፈሻ ኣብ ዲሲፕሊንን ስርዓትን እቲ ኲናት ከምኡ’ውን ድሕነት ሲቪላት፡ ሰብኣዊ መሰላትን ስቓይን ከም ዝግለጽ ርግጸኛ’የ።”
ይብል። ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት እታ ሃገር፡ ብዛዕባ እቲ ግጭት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክህልወን ምዃኑን እቲ መጽናዕቲ ድማ
ማእከላይ ግምታት ምጽሓዩን ገሊጻ’ላ። ስለዚ ሓደ ሰብ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዝተፈላለዩ ውድባት ዘሎ ፍልልያት ኣመልኪቱ ስሙር
መደምደምታ ክገብር ኣይግባእን። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን ዘሎ ዲናሚክስ፡ ኣብ መንጎ ምትእስሳር ኣብዚ
ኲናት ንዘሎ ርእይቶ ከም ዝጸሉ እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com