Wednesday , May 15 2024
**ADVANCE FOR SUNDAY, MARCH 8** Newly-married couple Hauwa Idriss, right, and Umar Ahmed, both living with the AIDS virus, smile as they pose for a photograph shortly after their wedding in Bauchi, Nigeria, Saturday, Nov. 29, 2008. Bauchi State, in Nigeria's heavily Muslim north, has recently begun playing Cupid with its HIV sufferers, encouraging them to marry by offering counseling, and cash towards their big day. The goal: to halt the spread of HIV in the non-infected population.(AP Photo/Sunday Alamba)

መንእሰያት ናይጀርያ “ማሕበር በቃቓት ሰብኡት” የቚሙ።

መንእሰያት ናይጀርያ፡ ብሰንኪ ዋጋኡ ኣመና እናኸበረ ዝመጸ ዋጋ “ፍቕሪ” ብምምራሮም፡ “ማሕበር በቃቓት ሰብኡት” ከም ዝመስረቱ ይንገር ኣሎ።

ኣብ ክቡራት ሆቴላት ምቊጻር፥ ክቡር ህያባት ምሃብን ጥረ ገንዘብ ኣምጽእ ዝብልን ሕቶ ኣፍቀርቶም ኣማሪርዎም ነዚ ማሕበር ከም ዘቖሙ ድማ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተመረቐ ማሕበር፡ ምሒር ክብሪ ናብራን ንሱ ሒዝዎ ዝመጸ ምትሕውዋስ ስነምግባር ፍቕሪን ገንዘብን ንምእራም ከም እተላዕሉ ይሕብሩ።

በዚ ሎሚ ኣብ ናይጀርያ፡ ወዲ ተባዕታይ፡ ክትከውን ጋዶ እዩ፥ ጸቕጡ ኣይከልናዮን” ክብል ወዲ 35 ዓመት፡ ጋዜጠኛ ሌጎስ ፍረድ ኢቱዋ ንቢቢሲ ሓቢሩ። “ሰባት ካባኻ ብዙሕ እዮም ዝጽበዩ፥ ሰብኣይ ማለት ገንዘብ ዝሕለብ ላም ኴንና እንረኣየን ደቀንስትዮ ይበዝሓ ኣለዋ” ክብል ወሲኹ ኣማሪሩ። “እቲ ዝኸፍአ ድማ ብገንዘብካ ብዙሕ ልግሲ እናገበርካ እውን ዝግባእ ክብሪ ክትረክብ ዘይሕሰብ እናኾነ ይኸይድ ምህላዉ እዩ” ክብል ካልእ ኣባል እዚ ማሕበር ፌይስቡክ ርእይቶኡ ገሊጹ’ሎ።

ኣባላት እዚ ማሕበር “ፍቕሪ ብገንዘብ ክሽመት የብሉን” ብዝብል መትከል ካብ ሕጂ ንደሓር ንደቀንስትዮ ዕውርቲ ሳንቲም እውን ከውጽኡ ከም ዘይብሎም ቃለ ማሕላ ከም ዝፍጽሙ ኣባላት ገሊጾም ኣለዉ። ቊምነገር እዚ መኣዲ ክትዕ ደቀንስትዮ ንምንታይ እየን ኲሉ ፋይናንሳዊ ድሌታተን ኣብ ኣፍቀርተን ዝድርብያኦ ዝብል እዩ። ቊጽሪ ናይተን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጁባ ኣፍቀተን ዝምርኮሳ ኣዋልድ ብብግዜኡ ምውሳኹ፥ አረ’ውን ባህሊ እናኾነ ምምጽኡ ሻቕላ ምፍጣሩ ዘመልክት እዩ። ብፍላይ ድማ ይትረፍ ጽቡቕ ደሞዝ ስራሕ ምርካብ እውን ሕርሚ ኣብ ዝኾነላ ናይጀርያ ንደቂተባዕትዮ ተወሳኺ ጸቕጢ ይወርዶም ኣሎ።

ሓደ መንእሰይ ኣብቲ ማሕበር ዝለጠፋ ዛንታ ከምዚ ትብል፥ ሓደ መዓልቲ ኣፍቃሪተይ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ክቡር ዝመስል ቤት መግቢ ቆጺራትኒ። መግቢ በሊዕና ሕሳብ ምስ መጸ ኣዝዩ ብዙሕ ብምንባሩ ተጨኒቐ ንደጋገፍ እንተበልኩዋ ከምዛ ነውራም ሪኣትኒ ቦርሳኣ ሃሰስ እውን ኣይበለትን። በዚ ድማ ከይፈተኹ እታ ዝኣሰርኩዋ ክብርቲ ሰዓተይ ኣረኪበ ወጺአ። ኣፍቃሪተይ ድሕሪዛ መዓልቲ ክትረኽበኒ እውን ፍቓደኛ ኣይኮነትን። ተፈላሊና።”


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com