Wednesday , May 15 2024
FILE - Jane Fonda, from left, Dolly Parton and Lily Tomlin get together Dec. 12, 1980 at a Los Angeles news conference to promote their movie "9 To 5". Parton's 1980's hit song "9 to 5" has been flipped by Squarespace, the company that helps users build and host their own websites, for a Super Bowl commercial debuting Tuesday, Feb. 2, 2021. Oscar winner Damien Chazelle of "La La Land" fame directed the spot. (AP Photo/Wally Fong, File) CAPM115

መንእሰያት ኢማራት: ብናይ ሰብዓታት ሙዚቃ: ፍቕሪ ይተሓዙ

መንእሰያት ኢማራት ብፍቕሪ ሙዚቃ 70ታት ብፍላይ Rasputin ዘርእስታ ደርፊ Bonny M ተታሒዞም ኣለዉ ክብል ጋልፍ ኒውስ ሓቢሩ። ኣብ ዱባይ እትቕመጥ 22 ዝዕድሜኣ ሚካይላ ቼቲ “ኣነን ኣሕዋተይን ሙዚቃታት 70ታት 80ታትን 90ታት ምሒር ኢና ንፈቱ። እዚ ምናልባት ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ” ትብል።

ብፍላይ ደርፊታት ብርያን ኣዳምስ፥ ኤልቪስ ፕሬስሊ፥ ዶሊ ፓርተንን ቦን ጆቪን ኣዝዮም ፍቱዋት እዮም ትብል።

ወደይ ናይ ቦኒ ኤም ደርፊታት እንክሰምዕ ብትዝታ ንድሕሪት ይመልሰኒ። ደቅና ብ ፍቕሪ እዚ ብሉይ ሙዚቃ ዝወደቕሉ ምኽንያት ንምፍላጥ ሓቲተዮ ኔረ። ጽሬትን ግሩህ ትሕዝቶኡን ኣመና ከም ዝምስጦ ድማ ኣዕሊሉኒ ይብል ሓደ ኣብ ዱባይ ዝቕመጥ ኣቦ።

“ሎሚ ሳላ ቴክኖሎጂ ኣብ ስቱድዮ ዘይንውስኾ መጸባበቒ የለን። እዞም ናይ 60ታትን 70ታትን ሙዚቀኛታት ግና ኲሉ ነገር ኣብ ጻዕሮም እዩ ዝምርኮስ ኔሩ–እዚ ድማዩ ዝምስጠኒ ክብል ወዲ 26 ዓመት መሃንድስ ሙዚቃ ይገልጽ።

እዞም ናይ 60ታትን 70ታትን ደረፍቲ ንሙዚቃ ከም መጽሓፍ እዮም ዝጥቀሙሉ ኔሮም። ብሙዚቃኦም ኣቢልካ ብዙሕ ዛንታ ኢኻ ትፈልጥ። ብዛዕባ ጣዕሚ ዝሰርሕዎ ሙዚቃ ብዙሕ ይጭነቑ ምንባሮም ሕጂ ስርሓቶም ዓው ኢሉ እዩ ዝምስክረሎም ክብል ካልእ መንእሰይ ተምሳጡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com