Friday , May 17 2024

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ዛጊት 1.3 ቢልዮን ክሮና ይኸስር።

ብምኽንያት ኣድማ ሰራሕተኛታት; መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (SAS) ዛጊት ናይ 1.3 ቢልዮን ክሮና ክሳራ ከም ዘጋጠሞ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። ዛጊት; ልዕሊ 2,550 በረራታት ክስረዙ እንከለዉ; በዚ ድማ ልዕሊ 270,000 ገያሾ ብኣሉታ ከም እተጸልዉ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ትማል ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ሰራሕተኛታት  መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ዘካይድዎ ዘለዉ ኣድማ፡ መዓልታዊ ናይ 100-130 ሚልዮን ክሮና ሽወደን ክሳራ የስዕብ ምህላዉ እውን ተመልኪቱ።

“ነዚ ኣድማ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክንውድኦ ክንክእል ኣሎና” ክብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣንኮ ቫንደር ቨርፍ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com